Monday, March 11, 2013

ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ኣሃዱ ውፉያት ብዝብል ስም ከሰልጥኖም ዝፀንሐ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ተዓለምቲ ብ19 ለካቲት 2005 ድሕሪ ምምራቑ ንስርዓት ወያነ ብምቅዋም ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሃገርና ናብ ቃልሲ ዝተፀንበሩ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ተቐቢሉ ከም ዘሎ ሓቢሩ፣




እዞም ካብ ዝተፈላለዩ ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ማለት ካብ ኣምሓራ፤ ቤንሻንጉል፤ ኦሮማያ፤ ጋምቤላ፤ ትግራይን ደቡብን ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ መናእሰይ። ኣብ ዓድና  ሰሪሕና ክንነብር ስለ ዘይካኣልናን ፍትሒ ስለ ዘየለን ብሓፈሻ ነቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ዘይፍትሓዊ ስርዓት ብምቅዋም ክንቃለስ ወሲንና ክብሉ ገሊፆም፣
ካብ ሞንጎ እዞም ናብ ቃልሲ ዝወፈሩ መናእሰይ ተኽለብርሃን ገ/ኪዳን። ኣብ ሃገርና ኣዝዩ ንምንባርካ ዝፈታተን ስራሕ ስእነት ስለ ዘሎ ብዙሕ መንእሰይ ትምህርቱ ወዲኡ ንከርተት ተፈሪዱ ከም ዘሎ። ከም ውፅኢቱ ድማ ናብ ስደት ከምርሕ ክብል ኣብ ፈቖዶ በረኻ ቀባሪ ዘይብሉ ወዲቑ ይተርፍ ከም ዘሎ ነዚ ፀገም ተቓሊዖም ንዝመቱ መሓዝቱ ከም ኣብነት ብምጥቃስ ኣረዲኡ፣

መንእሰይ ጥሩ ኣለም መኳንንት ብወገኑ። ምክልኻል ብዝዛረቦ መደናገሪ ሓሳብ ተደናጊሩ ትምህርቱ ኣቋሪፁ ናብ ዉትህድርና ከም ዝተቆፅረ። ይኹን እምበር ኣብ ምክልኻል ብቢሄር ዝተኸፋፈለ ሰራዊት ስለ ዝፀንሖ ነዚ ተቓዊሙ ናብ ቃልሲ ከም ዝተፀምበረ ገሊፁ፣

ንሱ ብተወሳኺ ዴምህት ኣሸባሪ ውድብ ከም ዝኾነ ብካደረታት ስርዓት ይንገሮ ከም ዝነበረን። ኣብዚ መፅዩ ብኣካል ምስ ራኣዮ ግን ዴምህት ህዝባዊ ሓላፍነት ዝስመዖ ንሓንቲ ኢትዮጵያ ዝቃለስ ዴሞክራስያዊ ውድብ ኮይኑ ከም ዝረኸቦ ኣዝዩ ከም ዘሐጎሶን ሓቢሩ፣


ሰራሕተኛ ግብርና ዝነበረ መንእሰይ ኣንዱኣለም ኣታላይ ብግዲኡ። ኣብ እቲ ስርዓት ብሞይኡ ከስርሖ ከም ዘይካኣለ ድሕሪ ምግላፅ። ህዝቢ ዝደለዮ ከይመርፅ ካብ ንህቢ ወፃኢ ካልእ ከይትመርፅ እናተባህለ ብዙሕ ምክትታል ከም ዝግበረሉን። ንኻልእ ዝመረፁ ድማ ዝተፋላለየ ግፍዕን በደላትን  ከም ዝበፅሖም ገሊፁ፣ ኣስዒቡ ህዝብና ብሰንኪ መጠኑ ብዝሓለፎ ግብርን መዋጮን ንድኽነት ተሳጢሑ ከም ዘሎን ነዚ ብምቅዋም ድማ ቃልሲ ከም ዝመረፀን ኣብሪሁ፣

ተወላዲ ብሄረሰብ ኢሮብ ዝኾነ ንጉሰ ዓብዱ ብወገኑ። ኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ብጉቦ ዝተበከሉን ካብ ሓቅን ክውንነትን ርሒቖም ንህዝቢ ዘሳቕዩ ዘለዉ ዕሱባት ናይቲ ስርዓት ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምሕባር። ህዝቢ እቲ ወረዳ ቅኑዕ ምምሕዳር ስኢኑ ይምዝመዝ ከም ዘሎ ከም ውፃኢቱ ድማ ደቁ ናብ ስደት ይበታተኑ ከም ዘለዉ ምስ ኣብረሀ። ኣብ ወያነ ካብ ዘረባ ዝሓልፍ ተግባራዊ ስራሕ የለን ክብል ኣረዲኡ፣

ንጉሰ ዓብዱ ኣብ መወዳኣታ።ወፅዓ ህዝቢ ብቓልሱ ንምፍታሕ ነቲ ስርዓት ተቓዊሙ ክቃለስ ከም ዝወሰነ ድሕሪ ምግላፅ። ኣብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ካብ ዝኣቱ ጀሚሩ ኣዝዩ ፅቡቕ ከም ዘሎን ብዙሓት ብሄር ብሄረ ሰባት ሃገርና ኣብ ዴምህት ኣብ ሓንቲ ማኣዲ ከቢቦም። ብፍቅርን ብሓድነትን ንሓደ ዕላማን ንሓንቲ ኢትዮጵያን  ክቃለሱ ምራኣዩ ኣዝዩ ከም ዘሐጎሶ ገሊፁ፣

ኣብዚ ሕዚ እዋን ፍልይ ብዝበለ መልክዑ ካብ ዝተፈላለየ ከባብታት ሃገርና ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ መናእሰይ። ነቲ ስርዓት ብምቅዋም ክቃለሱ ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት እናተወደቡ ይፅምበሩ ከም ዘለዉ ካብ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣