Sunday, March 10, 2013

ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣነስትዮ /ማርች 8/ ብተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቃስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ኣባላት መርሕነትን ተጋደልቲን ኣብ ዝተረኸብሉ ብድምቀት ተኸቢሩ ከም ዝወዓለ ተገሊፁ፣


እቲ ብዓል ብዉዳበ ተጋደልቲ ደቂ ኣነስትዮ ዴምህት /ዉ.ተ.ደ.ዴ/ ዝተዳለወ እንትኾን። ኣብቲ ዝነበረ መድረኽ ድማ ዝተፈላለዩ ነቲ በዓል ዝገልፁ ከም ድራማን ግጥምን ካልኦት ብርክት ዝበለ ምድላዋትን በተን ኣብቲ በዓል ዝተረኸባ ተጋደልቲ ቀሪቡ፣
ነቲ በዓል ኣመልኪተን ካብ ዉሽጢ ዉዳበ ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ ዴምህት ርኢቶታትን ሓሳባትን ካብ ዘቕረባ። ተጋዳሊት ወለላ ኣብረሃ ኣብ ዘረበኣ ከም ዝበለቶ። ኣብ መብዛሕትአን ዴሞክራሲያዊ ስርዓት ዝኽተላ ሃገራት ዓለም ዝርከባ ደቂ ኣነስትዮ መሰለን ተኸቢሩ ማዕረ ምስ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ፖለቲካዉን ኢኮኖሚያዉን ሃገራዊ እጃመን እንተበርክታ። ብኣንፃሩ ኣብ ሃገርና ግን ብሰንኪ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ክኽተልዎ ዝፀንሑን ዘለዉን ፀረ-ሰብኣዉን ዴሞክራስያዉን ፈላሊኻ ግዛእ ዝብል ኣካይድኦም። ካልእ ተሪፉ ነተን ትማሊ ንስለ ፍትሕን ማዕርነትን ኢለን ዝተቓለሳ ደቂ ኣንስትዮ ህላዊኤን ረሲዖም ስለ ዝጠለምወንን ዝደርበይወንን። ዕለታዊ ሂወተን ንምምራሕ ክብላ  ኣብ ሕሱር ተግባራት ክዋፍራ ከም ዝተገደዳ ገሊፃ፣

  ተጋዳሊት ትርሓስ ዘርኡ ብግድኣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንሃገርና ኢትዮጵያ ዝመርሑ ዘለዉ መራሕቲ ስርዓት ወያነ መሰልን ማዕርነትን ህዝብታት ብሓፈሻ ብፍላይ ድማ መሰልን ማዕርነትን ደቂ ኣንስትዮ ክኽበር ክገብሩስ ይትረፍ። ንባዕሎም ኣብ ዓመፅን ኣስካሕካሒ ተግባራትን እናተዋፈሩ ንደቂ ኣነስትዮ ረጊፆም የከላብትወን ኣለዉ ክትብል ኣብሪሃ፣
 ኣብ መወዳእታ እተን ኣብቲ በዓል ዝተረኸባ ተጋደልቲ ደቂ ኣነስትዮ ናብ ዉድብ ዴምህት ድሕሪ ምፅምባረን ኣብ ውሽጢ ውድብ መሰለን ተጠቒመን ክገብርኦ ዝግበአን ኩሉ ክገብራ ምኽኣለን ድሕሪ ምግላፅ። ነቲ ንመላእ ህዝብናን ንደቂ ኣነስትዮ ኣሕዋትናን ሰፍ ዘይብል በደል ዘዉርድ ዘሎ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ። ኣብ ጎኒ ዉድበን ዴምህት ተሰሊፈን ሎሚ’ዉን ሕድሪ ሕሉፋት ኣሕዋተን ተረኪበን ብፅንዓት ይቃለሳ  ምህላወንን  ነተን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ወያነ ዝግፍዓ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ናብዚ ፍትሓዊ ቃልሲ ተፀምቢረን እጃመን ከበርክታ ፀዊዐን፣