ኣብ መላእ ትግራይ ዘሎ ሽግር ማይ ንኹሉ ህዝቢ
ዘዘራርብ ዘሎ ፀግም እኳ እንተኾነ፤ ኣብ ከባቢ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ሽረ እንዳስላሰ ዘሎ ግን ካብ ኩሉ ዝባኣሰን
እዋናዊ ፍታሕ ዝደልን ፀገም ከም ዝኾነ ዘ-ሃበሻ ዝተበሃለ ድሕረ ገፅ ንግዳያት መሰረት ብምግባር ኣብ ዘዉፅኦ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እታ
ኣብታ ከተማ ኣላ ዝተባሃለት ማይ ካብ ሩሑቕ ቦታ
ዝመፅእ ፅሬቱ
ዘይሓለወ ናይ ጉድጓድ ማይ ብቡዙሕ ቅርሺ ከም ዝግዛእን፤ በዚ ከዓ አብዛሓ ተሓከምቲ ሆስፒታል ሽረ ብማይ ወለድ ሕማማት ዝሳቐዩ ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ
ኣፍሊጡ።
ኣብ’ቲ ከባቢ ቅድሚ ዓመታት ብእስራኤላውን ሰብ ሞያ ዝተፀንዐ ናይ ማይ ኳዕቲ ተገይሩ
እንተነበረ’ውን፤ ብምኽንያት ግዕዙይ ምምሕዳር እታ ከተማ ውፂኢታዊ ከይኮነ ስለ ዝተረፈ፣ ክሳብ ሕዚ ፅሩይ ዝስተ ማይን ካልኦት
ፀገማትን ህዝቢ ክፍትሑ ስለ ዘይካኣሉ፣ ነባራይ ሕብረትሰብ ተማሪሩ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ዘየላቡ ስጉምቲ ንምዉሳድ ተቓሪቡ
ከም ዝርከብ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።