ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ንዝመፅ 7 ሰነ 2005 ዓ.ም ክፈርስ ብምምሕዳር እታ ከተማ
ዝተወደኣሉ 68 ናይ ህዝቢ ገዛዉቲ፤ ሰብ ዋና ቅድሚ እቲ ተቐሚጡ ዘሎ መዓልቲ ባዕሎም ከፍርስዎ፤ ባዕሎም እንተዘይ ኣፍርሰሞ ግና
ኣብ ዉሽጢ እቲ ገዛ ይኹን ኣብ ደግኡ ዝርከብ ዝኾነ ይኹን ንብረት ዉሕሰነት ብዘይህብ መልክዕ ብዶዘር ክፈርስ ምዃኑ ከም ዝተነገሮም
ካብቲ ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣
እቲ ንሰብ ገዛ ተዋህቡ ዘሎ ትእዛዝ ብጀካ በቲ ዝተበሃሎም መሰረት ክፍርሱ ዝኾነ ይኹን ሕቶ ከቕርቡ ዘፍቅድ
ኣሰራርሓ ከም ዘየለ ስለ ዝሕበር፤ ነባራይ ህዝቢ ብፍላይ ከዓ እቶም ግዳያት ፀገሞም ንመን ከም ዝገልፁ ጨኒቕዎም ዓቕሊ ፅበት ዝወለዶ
ላዕልን ታሕትን ክብሉን ኣብ ከልበትበትን ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ኣገንዚቡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣደያቦ ኣብ መንጎ ዓዲ ራህዋን ሰፍኣን ሓደ ዕጡቕ ምልሻ ሰርዓት ወያነ ብሽድሸት ጥይት ተወቕዑ
ሞይቱ ኣብዚ ሰሙን ዝተረኸበ ኮይኑ፤ በዚ ዝተሰናበዱ ኣካላት ፀጥታን ምምሕዳርን ስርዓት ወያነ ኣብ ከባቢ መዳበን ገዛ መቐርን ንዝርከቡ ነብርቲ ብሄረሰብ ኩናማ
ለይትን ቀትርን ኣኪቦም ቀትልቲ ኣብ ዉሽጥኹም እዮም ዝርከቡ ኣዉፅእዎም እናበሉ የፈራርሕዎም ከም ዘለዉ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ፣