ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ ካብ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ወያነ ዝወረደ መመርሒ
ዝኾነ ይኹን ወተሃደር ካብ ድፋዕ ከይወፅእን ምስ ህዝቢ ከይራኸብን ዝብል ኮይኑ፤ ነበርቲ እቲ ከባቢ ድማ በቲ ዝረአ
ዘሎ ጥቡቕ ቁፅፅር ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ምውዳቖም ተፈሊጡ።
እቲ
ሓበሬታ ወሲኹ ህዝቢ ካብ ከተማ ሸራሮ ናብ ከተማ ባድመ ዝመላለሰለን ዝነበራ መጓዓዝያ‘ውን ብትእዛዝ ሰበስልጣን ወያነ ከቛርፃ ስለ ዝተገብረ፣ ነበርቲ ዕለታዊ መነባብረኦም ከስላስሉ ኣዝዮም
ከም ዝተፀገሙ ድሕሪ ምግላፅ፤ ህዝቢ ዝጥቀሙሉ ዝነበረ መራኸቢ
ቴሌፎን ’ውን ስርሑ ደው ከብል ስለ ዝተገብረ ነበርቲ ኣብ ከቢድ ወጥሪ ኣትዮም ከም ዘለዉ ድማ ተገሊፁ።