ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ዓዲ-ኣሰር ዝነብር ሕብረተሰብ ምስ
ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ካብ ምርኻብ ሓሊፉ ይተሓባበር ኣሎ ዝብል ስግኣት ዝሓደሮም ኣመሓደርትን
ኣካላት ፀጥታን እቲ ወረዳ፣ ንሕድ ሕድ ነባራይ ብደቂቕ
ምንቅስቓሱ ክትትል ክግበረሉ መምርሒ ከም ዘዉረዱ ካብ’ቲ ቦታ ዝበፅሓና ሓበሬታ የረድእ።
ነዚ ንምትግባር ካብ ወረዳ ዝተለኣኹ
ኣባላት ፖሊስ ምስ ናይ ጣብያ ዓዲ ኣሰር ካድረታትን ምልሻን ብሓደ ኮይኖም ንሰለማዊ ህዝቢ፣ ክሳድ መንገዲ ሒዞም ብምፅናሕ፣
ብሃንደበት ናበይ ትኸይድ ኣለኻ? ኣበይ ዉዒልካ? ምስ መን ተራኽብካ? ወዘተ እናበሉ የጨናንቕዎምን የፈራርሕዎምን ካብኡ
ብዝሰገረ እዉን ሰባት ይኣስሩ ስለ ዘለዉ፣ ነባራይ ህዝቢ
ብነፃነት ዕለታዊ ስራሕቱ ኣሳሊጡ መነባብርኡ ንምምራሕ ተፀጊሙ ከም ዝርከብ ንምፋላጥ ተኻኢሉ።
በቲ
ዝኽተልዎ ዘለዉ ዘይሓላፍነታዊ ተግባሮም ከዓ፣ ብ18 ጉንበት ነባራይ ጣብያ ዓዲ ኣሰር ዝኾነ ኣይተ ፍስሃ ብርሃነ ዝፈፀሞ ገበን ዘይብሉ ምስ ዴምህት ትራኸብ ኢኻ ብዝብል
መፀልምታ፣ ብተኹሲ ኣብ ቁፅፅር ኣዉዒሎም ኣብ ፖሊስ ጣብያ ወረዳ
ታሕታይ ኣድያቦ ብኸቢድ ኣሲሮም የሳቕይዎምን ከም ዘለዉካብ’ቲ
ቦታ ዝበፀሐና ሓበሬታ ገሊፁ።