Sunday, June 9, 2013

ኣብ ከተማ ሽረ ክካየደ ዝፀንሐ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ተግባራዊ ንምግባር ኣብቲ ቀበሌ ዝነብሩ ዕጡቛት እቲ ስርዓት ዕጥቆም ከራግፉ ከም ዝተገብረ ተገሊፁ።



ኣብ ከተማ ሽረ ክካየደ ዝፀንሐ ኣባይቲ ናይ ምፍራስ ስጉምቲ ተግባራዊ ንምግባር ኣብቲ ቀበሌ ዝነብሩ ዕጡቛት እቲ ስርዓት ዕጥቆም ከራግፉ ከም ዝተገብረ ተገሊፁ።
   ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ ቀበሌ 01 መራሕቲ ስርዓት ወያነ 83 ገዛውቲ ንኽፈርስ መምርሒ ምስ ኣመሓላለፉ። ምስኡ ጎኒ ንጎኒ ኣብ ቀበሌ 01 ነባራይ ዝኾነ ምልሻ ዕጥቁ    ከዉርድ ምስ ገበሩ እቲ ከይዲ ምፍራስ ገዛዉቲ ከም ዝጀመርዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ካብ’ቶም ኣባይቶም ፈርስዎም ኣብ ጭንቕንቕን ዓቕሊ ፅበትን ወዲቖም  ካብ ዘለው  መራሕቲ ስድራ ድማ ፣-

1.  ኣስመላሽ መላኺ
2.  ተስፋይ ነጋስ
3.  ኣብራሃላይ
4.  ተመስገን ገብረ ዋህድ
5.  ሙሩፅ
6.  ኣፅረጋ /ተጋዳላይ ነበር/ን ካልኦትን ከም ዝርከብዎምን በቲ ዝተኻየደ ዕጥቂ ናይ ምዉራድ ተግባር ኣድማ ከይለዓል ሓለፍቲ ዞባን   ከተማ ሽረ-እንዳስላሰን ከቢድ ስግኣት ዉሕጥዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓለፈ መዓልቲታት ብዙሓት ህፃውንትን ሽማግለታትን ዝርከብዎም ልዕሊ 80 ስድራ ቤታት ነበርቲ ከተማ ሽረ። ካብ ዝነብሩሉ ዝነበረ ገዛውቶም ብሓይሊ ተፈናቕሎም ብዘይ መተካእታን ካሕሳን ሃፍቶም ኣፍሲሶም ዝሰርሕዎ ኣባይቶም ብደዞር ፈሪሱ ኣብ ማእኸል ጎደና ተደርቢዮም ግዳይ ፀሓይን ቁርን ምዃኖም ይፍለጥ።
 ነቲ ግፍዓዊ ተግባር ብምቅዋም ናዕቢ ከላዓዕሉ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ድሕሪ እቲ ፍፃመ ዝተኣሰሩን ብሓይሊታት ፀጥታ ዝድለዩ ካብ ዘለዉን ነበርቲ ከተማ ሽረ፣-
1. ኣይተ ወላይ መብራህቱ
2. ሃፍቶም ታረቀ
3. ሃፍቱ ኣብርሃ
4. ተሾመ ወልደርፊኤል
5. ኣዳነ 
5. የማነን
6. ኪዳነን ዝተበሃሉ ዝርከብዎም እንትኾኑ። እቶም ዉልቀ ሰባት ብሕጊ ዘሕትት ዝፈፀምዎ ዝኾነ ይኹን ገበን ዘይብሎም እኳ እንትኾኑ፣ ድሌታት እቲ ስርዓት ከማልኡ ብዘይምኽኣሎም ግን ብድህንነት መራሕቲ ወያነ ንህላወ እቲ ስርዓት ኣስጋእቲ  እሎም  ምኽንያት ብምፍጣር ስጉምትታት ንምዉሳድ ዝተሃቀነ እከይ ተግብር ከም ዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብተማሳሳሊ ኣብ’ዚ ከተማ ከቢድ ናይ ማይ ሕፅረት ኣጋጢሙ ህዝቢ ፅሬቱ ዘተሓለወማይ ብምጥቓሙ ንዝተፋላለዩ ሕማማት ይቃላዕ ከምዘሎ ተፈሊጡ፣፣