Wednesday, June 12, 2013

ኣብ ክልል ኣምሓራ ነበርቲ ዞባ ዳንግላ ንግዕዝይና ሰበስልጣን ወያነ ዘቃልዑ ዜጋታት ከም ዝተጨውዩ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣



ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብዚ ቕንያት ኣብ ክልል ኣምሓራ ፅሬት ብዝብል ምኽኒት ብሰበ ስልጣን  ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣብ ዝተኻየደ ገምጋም ገለ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ሚኒስተራት ሃፍቲ ገንዘብ  እናዘመትኩም ኣብ ውልቃዊ ረብሓታትኩም ተውዕልዎ ኣለኹም ስለ ዝበሉ ጥራይ ብዕጡቛት ስርዓት ወያነ ተጨውዮም ምስተወሰዱ ክሳብ ሕዚ ኣድራሻኦም  ከም ዘይተፈልጠ ተሓቢሩ፣
ኣብቲ  ዝተኻየደ ገምጋም ህዝቢ ብጥሜት እናተሳቕየ ገንዘብ ህዝቢ ይዘምቱ ከም ዘለዉ ካብ ህዝቢ ጭቡጥ መርትዖ ዝቐረበሎም ኣይተ ኩማ ደምቅሳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ  ኣብ ከባቢ  ካዛንችስ ቪላ ገዛ ይሰርሑ ከም ዘለዉ፤ ኣይተ ምህረት ደበበ ንሓይሊ መብራህቲ ተባሂሉ ዝተሰለዐ ገንዘብ ኣብ ውልቃዊ ረብሓኦም ብምውዓል፤ ኣብ ኣሜሪካ በዓል ኣርባዕተ ኮኸብ ሆቴል ከም ዘሰርሑ ኣብቲ ገምጋም ዝተረኸቡ ካብ ወፃኢ ዝመፁ ክልተ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ኣቶ ጋሻው  እንዳርጌን ኣቶ እያሱ መንግስቴ ከም ዝተዛረቡ ካብ ተሳተፍቲ  እቲ እኼባ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
       ኣስዒቦም እቶም ኣብ ወፃኢ ዝምቕማጦም ክልተ ዜጋታት፤ ኣይተ በረኸት ስምኦን ብጊደኦም ኣብቲ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ጥራሕ 60 ሚልዮን ዶላር ኣብ ባንክታት ከተማ ሎንደን ከም ዝኸዘኑ ዝገለፁ ኮይኖም፤ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ትደለዩ ኣለኹም ተባሂሎም ምስ ተወስዱ ከም ዘይተመለሱን ስድረኦም ድማ ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ወዲቖም ከም ዝርከቡ እቲ  ዝተረኽበረ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ፣