Sunday, June 9, 2013

ኣብ ክልል ኦሮምያ፤ ዞባ ምዕራብ ሽዋ፤ ወረዳ ዳኖ ክነብሩ ዝፀንሑ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚኢቲ ዝኾኑ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ ተዋህብዎም ዝፀነሐ መሬት ብምሕድጎም መረረት ኣስምዖም።



ኣብ’ቲ ወረዳ ኣብ ዝርከባ አጀላ ዳሌን አዋዲ ጉልፋን ዝተብሃላ ቀበሌታት ነበርቲ ዝኾኑ ተወለድቲ ክልል ኣምሓራ፣ ጥርዓኖም ናብ ምምሕዳራት ክልል ኦሮሞ ዞባ ምዕራብ ሽዋን ከምኡ’ውን ናብ ዝተፈላለዩ ናይ’ቲ ክልል ኣብያተ ፅሕፈታት ከም ዘቕረቡ ብምግላፅ፤  መልሲ ብዘይ ምርካቦም ቅሬተኦም ሒዞም ናብ ፌዴራል መንግስቲ ብምኻድ ናብ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፤ ናብ ትካል ሓባሲ ንብዓት፤ ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ መወዳእታ’ውን ናብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር ምእታዎም ኣረዲኦም። 
   ‹‹እናተፈናቐልና ኢና›› ብምባል ንጋዜጣ ሪፖርተር ቅሬተኦም ዝገለፁ እዞም ተወለድቲ ክልል አምሓራ። ብኣመራርሓ ወረዳታትን ቀበሌታትን ካብ 1996 . ጀሚሮም ዝተፈላለዩ ምምሕዳራዊ በደላት ክበፅሖም ከም ዝፀንሐን ኣብ’ዚ ሕዚ እዋን ድማ ብዝባኣሰ መልክዑ ተጣናኺሩ ሕርሻ መሬቶም እናተሓደገ ንኻልኦት እናተዋሃበ ምዃኑ ኣፍሊጦም።  
   እቶም ጥርዓን አቕረብቲ ከም ዝብልዎ፣ ኣብ’ቲ ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ክልተ ቀበሌታት ውሽጢ ምንባር ዝጀመሩ ካብ 1986 . ጀሚሮም ኮይኖም። ብተወለድቲ እቲ ከባቢ ዝኾኑ ሽማግለታት ሰናይ ፍቓድ ረኺቦም ብስምምዕነት ቦታ ተዋሂብዎም ሕርሻ ምጅማሮምን ነዚ’ውን ናይ’ቲ ከባቢ ምምሕዳር ፈሊጡ ምልካዕ መሬት ኣካይዱ እዩ ድሕሪ ምባል፣ መሬት ተለኪዑ ናይ ባዓል ቤት ደፍተር ንኻልኦት ክዋሃብ ንዐኦም ኮነ ተባሂሉ ከም ዘይተዋሃቦም ገሊፆም።
   ምስ’ቲ ናይ’ቲ ከባቢ ነባሪ ህዝቢ ብሰላምን ምሕዝነትንክነብሩ ዝፀንሑ  እንተኾኑ፣  ሰበ ስልጣናት እቲ ክልል ግና  ኣብ ዘርኢ ኣፈላላይ ብምግባር የፈናቕልዎም ከም ዘለዉ  ጠቒሶም።