እቶም ነበርቲ ከም ዝገለፅዎ፤ ኣብ ከተማ
ባህር-ዳር ሓንቲ ኮድ 3- 00746 ዝዓይነታ ቮልቮ መኪና ፂዒናቶ ዝነበረት ሰሚንቶ ኣብ ናይ ኣይተ ይልማ ማሩ መኻዚኖ ኣራጊፋ ክትወፅእ ኢድ ብኢድ ብ30 ግንቦት 2005 ዓ/ም ብነባሪ ህዝቢ ከም ዝተትሓዘትን፤ ካልእ ኮድ 3-05704 ዝዓይነታ መኪና ድማ ዝፀዓነቶ ላሜራ ኣራጊፋ ከይተትሓዘት ካብቲ ቦታ ክተመልጥ
ከም ዝኸኣለት ተፈሊጡ፣
ብካልእ ወገን ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ነበርቲ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ንኽልተ ሰሙን ዝኣክል መስመር ፅሩይ ዝስተ ማይ ስለ
ዝተቛረፀ ፅርየቱ ካብ ዘይሓለወ ጉድጓድ ማይ ክሰትዩ ብምጋዳዶም ንማይ ወለድ ሕማም ተቓልዖም ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ፀገማት ከም ዝርከቡ
ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
መራሕቲ ሰበ-ስልጣን ወያነ ድሕሪ ደጊም ብሕፅረት
ዝስተ ፁሩይ ማይ ዝሳቐ ህዝቢ ኣብ ትግራይ ኣይክህልወናን እናበሉ ዝምድርዎ፤ ካብ ዘረባ ሓሊፉ ብተግባር ሰለ ዘይስነ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ
ከባብታት ዝነብር ሕብረተሰብ ቐፃሊ ንፀጋማቱ ቆላሕታ ብምስኣኑ መረረት ኣብ ምስማዕ ከምዝርከብ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣