Friday, June 14, 2013

ኩለን ኣሃዱታት ሰራዊት ስርዓት ወያነ ኣብ ከቢድ ናይ ገምገም መስርሕ ተፀሚደን ከም ዘለዋ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ሰፊሕ ገምጋም ኣሃዱታት ምክልኻል ሰራዊት ስርዓት ወያነ ኣብ ኩለን  እዚታት ኣብ ዝርከባ ግንባራት ዝካይድ ዘሎ ኮይኑ። ኣብቲ ገምጋም ከም ቀንዲ ኣጀንዳ ኮይኑ ቀሪቡ ካብ ዘሎ መገማገሚ ነጥቢ።-
1.          ዝኾነ ወተሃደር ይኹን ሓላፊ ኣብ ዝተዋሃቦ ተልእኾ ዘለዎ ዕላማን ፅንዓትን
2.          ሓሳቡን ቀልቡን ጉልበቱን ከይቆጠበ ነቲ ስርዓት ህይወቱ ንምዉፋይ ዘለዎ ቅሩብነት
3.          ወተሃደር  ዲስፒሉኑ እንታይ ይመስል
4.          ንምንታይ ወተሃደር ካብ ኣሃዱ ይኸድዕን ፍቓድ ምስ ከደ ብዘለዎ ይተርፍን ዝብሉን ካልኦትን ነጥብታት ደርዲሮምን ፀቒጦምን የቕርብዎ ብምህላዎም። ተኣከብቲ ኣብ ዓብዪ ምጥምማት ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ፣
ብፍላይ ኣብ ክፍለ ሰራዊት 20 እቲ ከምዚ ዓይነት ገምጋም ምስተጀመረ ኣብ ሕድ ሕድ ሰራዊት ዘይምትእምማን ምትሕልላዉን ተጋዲዱ። ንምሳሕን ናብ ዕርፍቲ ኣብ ዝወፅሉ ስግኣታት ዉሽጣ ዉሽጢ ነጊሱ ነንባዕሎም ተፋጢጦም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ዓዲ ብኹራይን ብላቴን ኣብ ዝርከቡ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ማእከላት። እሙናት ዝበሃሉ ኣባላት ሰራዊት ተመልሚሎም ከም ደያኑ ኮይኖም ኣብ ዉሽጢ ሰራዊት ንኽፈርዱ ክስልጥኑ ይግበር ከም ዘሎ እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣
  እዚ ከምዚ ዓይነት ስልጣና ዝዋሃብ ዘሎ ቀንዲ ዕላምኡ። ብዝተፈላለየ ምኽንያት ንዝተኣሰሩ ሰራዊት ኣባላት እናወንጀልካ ንምእሳር ዝዓለመ ከም ዝኾነ፣ ኣብ ምክልኻል ሰራዊት ሰፊሕ ናይ ረብሓ ሕቶታት ማለት ናብ ዓቃቢ ሰላም ምልኣኽ፤ ናይ መዓርግን ካልኦት ጥቕማጥቕምን ክምለሰሎም ብዘይ ምኽኣሉ  ታሕተዎት ምስ ላዕለዎት ተረሓሕቖም ከም ዝርከቡ ዉሽጢ ፈለጥቲ ወሲኾም የገንዚቡ፣