Friday, June 14, 2013

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት ብተቓዋሚ ዉድብ ሰማይዊ መርሕነት ተፀዊዑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሰላማዊ ሰልፊ ዝወፀ በዝሒ ህዝቢ ዘተሓሳሰቦም መራሕቲ ስርዓት ወያነ ምስኡ ብዝተኣሳሰረ ሰባት ኣብ ምእሳር ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።



ድሕሪ ናይ ሸመንተ ዓመታት ሕገ መንግስታዊ መሰል ዜጋታት ዝጠሓሰ እገዳ፣ ኣብ ሃገርና ሕጋዊ ፍቓድ ተዋህብዎ ንመጀምርያ ግዜ ኣብዚ ቅንያት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ብዉድብ ሰማያዊ ዝምራሕ ሰላማዊ ሰልፊ፤ ሰበ-ስልጣን ወያነ ብኩሉ መመዘኒታት ልዕሊ እቲ ዝገመትዎ ስለ ዝኾነ፣ ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈ ህዝቢ ብቑፅሩ ኣዚዩ ብርክት ዝበለን ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝዉክል ብምዃኑን፤ ንህላወ እቲ ስርዓት ዝፈታተን ኣጋጣሚ ኔሩ ብዝብል ሰለ ዝገምገምዎ፣ ምኽንያታት እናፈጠሩ ንወደብትን ተሳተፍትን እቲ ሰልፊ ብምእሳርን ብምፍርራሕን፤ ንቐፃሊ ንኸይድገም ዝገብር ኣካይዳ ይጥቀሙ ከም ዘለዉ ንስድራቤት ግዳያት መሰረት ጌሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣገንዚቡ።
   በቲ ናብ’ቲ ሰላማዊ ሰልፊ በዝሒ ህዝቢ ኣዝዮም ዝሰንበዱ መራሕቲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ፣ ንኣተሓባበርቲ እናተኻታተሉ ይሃድንዎምን ይኣስርዎምን ከም ዘለው ክሳብ ሕዚ ተፈለጥቲ ሰባት ዝርከብዎም ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ተኣሲሮም ብዘይ ዝኾነ ክሲ እናተሳቐዩ ከም ዘለዉ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።