Saturday, May 31, 2014

ኣብ ክልል ዓፋር ካብ በራሕለ ናብ ኣጉላዕ ዝወስድ ፅርጊያ ብኩንትራት ዝሰርሕ ዘሎ ናይ ምክልኻል ኮንስትራክሽን ኣብ ትሕቲኡ ዝሰርሑ መዓልታዊ ሰራሕተኛታት ብ20 ግንቦት 2006 ዓ/ም ኣድማ ከም ዘልዓሉ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቲ ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ በራሕለ ኩንትራት ሒዙ ፅርጊያ ዝሰርሕ ዘሎ ናይ ምክልኻል ኮንስትራክሽን ብ20 ግንቦት 2006 ዓ/ም ነቶም ሰራሕተኛታት ለይትን መዓልትን ኣገዲዶም ስለ ዘስርሕዎም እቶም ሰራሕተኛታት ድማ  “ንሕናስ እቲ በዓል በዓልና ኣይኮነን ድዩ ንምንታይ ኣገዲድኩም ተስርሑና ኣለኹም” ኢሎም ስለ ዝተቓወሙ ዋና ኣካየድቲ ስራሕ ናይቲ ኮንስትራክሽን ዝኾኑ ኢንጅነር ዘመንፈስን ሻለቃ ፀጋይን ብሓባር ነቶም ሰራሕተኛታት ብምእካብ “ኣስርሕዎም ተባሂልና ኢና ‘ምበር ንዓና እንታይ ግበሩ ትብሉና ኣለኹም”  ንሕናውን ኣብ መዓልቲ 20 ግንቦት ሰራሕተኛ ክሰርሕ ኣይኣመንናሉን ክብሉ ንተኦም ሰራሕተኛታት ምዝራቦም ተፈሊጡ።

   ብተመሳሳሊ ኣብቲ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ እቲ ናይ መዓልታዊ ስራሕ ቀዳምነት ንዓና እዩ ክወሃብ ዝግበኦ ስለዚ ሰሪሕና ክንበልዕ ኣእትውና ኢሎም ናብቲ ወረዳ ምምሕዳርን ከምኡ‘ውን ናብ ናይ ምኽልኻል ኮንስትራክሽን ዋና ስራሕ ኣካያድን ጥርዓን እኳ እንተቕረቡ ሰማዒ ከም ዘይረኸቡን ካብ ካልኦት ከባቢታትን ክልላትን ዝመፁ ሰባት ይሰርሕዎ ከም ዘለውን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

   ብተወሳኺ ንመስርሒ እቲ ፅርጊያ ተባሂሉ ገዝኦም ዝፈረሶምን ሕርሻ መሬቶም ዝተመንጠሉን ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ነበርቲ ካሕሳ ክትወሃቡ ኢኹም ተባሂሎም እንተነበሩ ክሳብ ሕዚ  ቁሊሕ ዝብሎም ስኢኖም ንሓደጋ ተቓሊዖም ከም ዘለውን ተፈሊጡ።

   በዚ ዝተቖጥዑ ነበርቲ በራሕለን ሳባንን ድማ ብ9 ጉንበት 2006 ዓ/ም ሰለማዊ ሰልፊ ብምክያድ ነቲ ፕሮጀክት ከይስራሕ ጠጠው ኣቢሎምዎ ከም ዝወዓሉ እቲ  ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።