Wednesday, July 30, 2014

ኣብ ክልል ደቡብ ወረዳ ጋሞጎፋ ቀበሌ ግልምጫ ንመስመር መብራህቲ መዝርግሒ ተባሂሉ ብህዝቢ ዝተዋፀአ ልዕሊ 285 ሽሕ ብር ኣመሓደርቲ ከም ዝበልዕዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ሰበ ስልጣን እቲ ወረዳ መንግስቲ መብራህቲ ክእትወልኩም ሓሲቡ ስለ ዘሎ ሕድሕድ ነባሪ ገንዘብ ከዋፅእ ኣለዎ ክብሉ ብዘዉረድዎ መምርሒ መሰረት ህዝቢ ዘዋፀኦ ልዕሊ 285 ሽሕ ብር ቅድሚ ክልተ ዓመት ንኣማሓደርቲ እታ ወረዳ እኳ እንተረከቦም ስለ ዝተጠፋፈአ ክሳብ ሕዚ መስመር ኤሌክትሪክ ዝበሃል ክዝርገሐሎም ከም ዘይከኣለ ንነበርቲ መሰረት ገይሩ ዝበፀሓና ሓበሬታ የረድእ።
ዝበዝሕ ህዝቢ ናይ’ታ ወረዳ ብምምሕዳራዊ ኣገልግሎት ገዛኢ ስርዓት ደኢህዴግ ኢህወዴግ ዕጉብ ስለ ዘይኮነ ኣንፃር እቲ ስርዓት ምስ ዝቃለሱ ፖለቲካዊ ዉድባት ኣባል ኮይኑ ብምንቅስቓሱን ብምትሕብባሩን ንኹሉ ዘልዕሎ ሕቶ ብሰበ ስልጣን እቲ ከባቢ እናተነፀገ ስቕ ክብል ይግደድ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላፅ ሕዚ’ዉን ገንዘብኩም ዋላ ኣዋፅኡ ኣገልግሎት መብራህቲ ክትረኽቡ እንተደሊኹም መጀመርያ ኣባላት ደኢህዴግ-ኢህወዴግ ክተኮኑ ኣለኩም ስለ ዝተባህሉ ካብ ኣፍ ደቆም መንጢሎም ዘዋፅእዎ ገንዘብ ተበሊዑ ዳግም ንኸይሓቱ ነቶም ተወከልቶም ኣፈራሪሖም ከም ዝመለስዎም ተፈሊጡ ኣሎ።