Wednesday, July 30, 2014

ኣብ ከተማ ሽረ ዝነብሩ ኣባልት ዉድብ ዓረና ብኻድረታት ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ መፋራርሒ ወረቐት ኣብ ማዕፆ ገዝኦም ብለይቲ ይለጢፍሎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።




መሪሕነትን ኣባላትን ተቓዋሚ ዉድብ ዓረና-መድረኽ ብካድረታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ ዉድብ እናተጨወዩ ይእሰሩን ይግረፉን ከምኡ ‘ዉን ይቕተሉ ከም  ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ከም መቐፀለትኡ ከዓ ኣብ ሽረ-እንዳስላሴ ዝነብር ኣያሌው በየነ ንዝተብሃለ ኣባል ዉድብ ዓረና ንዓኻ ‘ዉን ዕጫ ብፆትካ ክበፅሓካ እዩ ክብሉ ካድረታት እቲ ስርዓት ብ12 ሓምለ  2006 ዓ/ም መፋራርሒ ወረቐት ኣብ መንበሪ ገዝኡ ተለጢፍሉ ከም ዝሓደረ  ተገሊፁ።

ቅድም ኢሉ’ዉን ኣይተ ኣያሌው ኣብ’ታ ከተማ ተኻርዩ እንትነብር ንዋናታት ናይቲ ገዛ ካብ ገዛኹም ኣዉፅእዎ እናበለ ዋና ኢንስፔክተር ገዛኢ ገብረመድህን ዝተብሃለ ሓላፊ ፖሊስ የፈራርሖም ከም ዝነበረ ነቲ ተበዳሊ ሰብ ‘ዉን ግደፍ ኣየዋፅኣካን ካብ’ዚ ቦታ ተኣለ ዝብል መፈራርሒ ወረቐት ካብ’ቲ ኢንስፔክተር ይበፅሖ ከም ዝነበረ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ኣይተ ኣያሌው ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኡ ወረቐት ተለጢፉ ስለ ዝፀንሖ ኣብ ከቢድ ስግኣት ወዲቑ ከም ዝነበረን ሕዚ ‘ዉን ኣበይ ከም ዝኣተወ ሃለዋቱ ከም ዘይፍለጥን ገሊፁ።