Wednesday, July 30, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ዝነብር ህዝብና ብማሕበራትን ጉጅለታትን ተሓጋጊዙ ዕለታዊ መነባብርኡ ከይመርሕ ብናይ ፌዴራልን ክልልን ፖሊሳት ይበሳበስ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።



    ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ  ነባሪ ህዝቢ ክፍለ ከተማ ብማሕበራትን ጉጅለታትን ተሓባቢሩ ዕለታዊ መነባብርኡ ከይመርሕ ዕጡቛት ናይ’ቲ ገዛኢ ስርዓት ኣብ ቤት መግቢ ቤት ሻሂን እናኣተው የጋፍዕዎን ፀቕጥታት ብምፍጣር ኣብ ገዛእ ሃገሩ ተሸቁሪሩ ክነብር ንምግባር ካብ ዘለዎ ሕልሚ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ግዜ ተቓውሞ ንምግባር ትተኣኻኸቡ ኣለኹም ብዝብል ምኽንያት ብናይ ፌደራልን ክልልን ፖሊሳት ግፍዕታት ይበፅሖ ከም ዘሎ ተፈሊጡ፣፣
    
   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣብ ኣብያተ መስጊድን ቤት ምግብን‘ውን እንተኾነ ፖሊሳት እናኣተው ሰባት የጋፍዑን ይብትኑን ከም ዘለው ድሕሪ ምግላፅ ክሳብ ሕዚ ካብ ኣንዋር መስጊድ ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ንፁሃት ዜጋታትና  ተኣሲሮም ናበይ ከም ዝኣተው ከም ዘይፍለጥን እቲ ምእሳርን ምንግልታዕን ሐዚ‘ውን ይቕፅል ከም ዘሎን ኣረዲኡ።