Wednesday, October 29, 2014

ብናይ ወያነ ኢህወደግ አኼባ ዝሳኻዕ ናይ ስግግር ዕብየት የለን!!



ለውጥን ስግግርን ዝመፅእ። ትኽክለኛ ዕላማን መስመርን ብምሕንፃፅ፤ ህዝቢ ምእንተ ረብሕኡን ረብሓ ሃገሩን ኢሉ ተሳታፊ ዝኾነሉ ዴሞክራሲያዊ ሃዋህው ብምፍጣር እምበር። ንህዝቢ ብሓይሊ ዓፊንካን ኣምበርኪኽካን ብምግዛእ አይኮነን፣


ናይ ለውጥ ቀንዲ መሰረቱ ንቁሕ ተሳትፎ ህዝቢ’ዩ! ረብሓይ ከማለአለይ ይኽእል’ዩ፤ በዚ መንገዲ እዚ  መንገዲ ምዕባለን ሰላምን’ዩ ኢሉ ዝአመነ ህዝቢ እንተደአ ሃልዩ ብዘይ ምጥርጣር ለውጢ ኣብ ምምፃእ ዘፀግም ኣይኮነን፣ ብኣንፃሩ እንተደአ ኮይኑ ድማ ለውጢ ምምፃእስ ይትረፍ ነቲ ዝነበረካ እናዳኸምካ፤ ደውታን ምንቁልቓልን እናሰዓረካ ካብ ዝገደደ ናብ ዝበእሰ   ትኸደሉ መድረኽ’ዩ እናተፈጥረ ዝኸይድ፣
    በዚ መሰረት ንመድረኽ ስግግር ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ምስንርኢ። ከምቲ ልዕል ኢልና ዝገለፅናዮ። ኣብ ሃገርና ዘሎ ሰብአውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ህዝቢ ናይ ምኽባር ኩነታት ዳርጋ ጠቕሊሉ የለን ኢልካ ዝዝረበሉ ኩነታት ስለ ዘሎ። መብዛሕትኦም በቲ ስርዓት ክትግበሩ ተባሂሎም ዝተታሕዙ ፕሮጀክትታት መብዛሕተኦም ናይ ኣፍ ኮይኖም  ክተርፉን ክጓተቱን ምርአይ ልሙድ’ዩ፣
     እዚ ኣብ ፀርየት ኣሰራርሓ፤ ኣብ ቀረብ መሳርሒ ናውቲ፤ ኣብ ተገዳስነት ኣመራርሓን ብጠቕላል እቲ ሰራሕተኛ ፅባሕ ናሃተይ ረብሓ ከረጋግፅ ዝኽእል ፕሮጀክት’ዩ ናይ መፃኢ ብሩህ ተስፍኡ ብዘርኢ መንገዲ ኣሚኑ ስለዘይሳተፈሉ እቲ ምዕባለ ቅዩድ’ዩ፣ እዚ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ንህዝቢ ዘገልግልን ዝማእኽልን ተገይሩ ስለዘይእመነሉን ኩሎም ምንቅስቓሱ ኣብ ናይ’ቲ ስርዓት ረብሓ ዘድሀበ ስለዝኾነን’ዩ፣
    ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ዝተኻየደ ንላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ዝሓቆፈ ኣኼባ’ውን ነዚ ዘንፀባርቕ ኮይኑ ኢና ረኺብናዮ፣ ናይቲ አኼባ ትሕስቶ ዕብየት ስግግር ሃገርና ሕዚ ካብ ዘለዎ ደረጃ ክስጉም ኣይከአለን ኣብ ዝብል ዘተኮረ ኮይኑ ናይዚ ምኽንያት ተገይሮም ካብ ዝተገለፁ ነጥብታት ድማ።-
ü    ኩሉ ሓረስታይ ከምቲ ኣባል ውድብ ዓቕሙ ፀንቂቑ ናይ ቴክኖሎጂ ውፅኢት ተጠቃማይ ክኸውን ዘይምኽአል፤
ü    ሓረስታይ ፅርየት ዘለዎምን ንዕዳጋ ክውዕሉ ዝኽእሉ ምህርቲ ከፍሪ ዘይምኽአሉ፤
ü    መዳበርያ፤ ምሩፅ ዘርእን ኮምፐስን ዘይምጥቃም፤
ü    ዘራእቱ ብመስመር ተጠቒሙ ኣብ ምዝራእ እምነት ዘይምህላውን ነግ ፈረግ ምባል፣
ü    በቲ ሓደ ገፅ ንፋብሪካታት ዝውዕል ፍርያት ብእኹል መጠን ዘይምድላው። በቲ ካልእ ወገን ድማ ፍርያት ዋላ እንተቐረበ ንዕዑ ዝጥቕማ ትካላት ዘይምህላው፤
ü    ንደኣንት ከማእኽላ ዝኽእላ ዓበይትን ማእኸለዎትን ፋብሪካታት ዘይምህላወን፤
ü    ኣብ ሰናይ ምምሕዳር ዝድለ ለውጢ ክመፅእ ዘይምኽአሉ ጥራይ ዘይኮነስ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናገደደ ይኸይድ ስለ ዘሎ ህዝቢ’ውን ብኡ መጠን የንፀርፅር ምህላው፤
ü    ናይ ሊዝ ፖሊሲ ኣሰራርሓ ግልፂ ብዝኾነ መንገዲ ይስርሓሉ ብዘይምህላውን እኹል ናይ ኮነደምንየም መንበሪ ገዛውቲ ብዘይምህናፆምን ህዝቢ ኣብ ስምዒት ምእታው፤
ü    ሰራሕተኛ ሰሪሑ ካብ ዝረኽቦ 30 %(ሚኢታዊ) ንላዕሊ ንመኽፈሊ ገዛ ክራይ የውዕሎ ስለዘሎ ህዝቢ ንናይ ሊዝ አሰራርሓ ትግባረ ንኸይቕበሎ ምኽንያት ኮይኑ ከምዘሎ፤
ü    መሬት ብዘይ ኣገባብ ክሽንሸን ምግባር ብፋላይ ኣብ ወሰን ከተማታት ንዘሎ መሬት ንመፃኢ ናብ ከተማ ምእታው ስለ ዘይተርፎ ብምባል ኣግባብነት ብዘይብሉ መንገዲ መሬት ክዕደል ምግባር ዝብሉን ካልኦትን  እቶም ንዕብየት ስግግር መሐንኮልቲ ተባሂሎም ዝተቐመጡ ነጥብታት’ዮም፣
    እንተኾነ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተዘርዘሩ ነጥብታት ቅድሚ ነዊሕ እዋን ጀሚሮም ሽሞኛታት እቲ ስርዓት ይትግብርዎም ዝፀንሑ መሐንኮልቲ ተግባራት እምበር ሕዚ ዝተፈጠሩ ፀገማት ኣይኮኑን፣ ካድረታት ወያነ-ማሌሊት ግን ነዞም ሕዚ ከም ፀገም ወሲዶም ዘልዕልዎም ዘለው ነጥብታት ሓቢኦም ፅቡቕ ይጓዓዙ ከም ዝነበሩን ኮይኖም’ዮም ንህዝቢ ከደናግሩ ፀኒሖም፣
     ብዝኾነ ኮይኑ ኣብ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ኮይንካ ዝመፅእ ዕብየት ሽግግር ከምቲ ኣይተ አባይ ወሉ ዝበሎ ዕንቅፋትና እንተኣሊና ህዝብና ክርባሕ’ዩ ንሓናውን ምስ ህዝብና ተጠቀምቲ ክንኮውን ኢና ዝበልዎ ዘይኮነስ። እቲ ናይ ስግግር መድረኽ ንዐዖምን ኮራኹሮምን ጥራይ ዘዐወተ፤ ሰብ ሙሩፅ በላሶታትን ሰብ ዘመናውያን መካይን ንኽኾኑ ዝገበረ። ሳጥናኤላዊ መንገዲ ከም ዝኾነ ኣዝዩ ርዱእ እዩ፣
    ንምንታይ ዝዓለመ ደአ ‘ዝኹሉ ኣኼባን ዋዕዋዕን እንተደአ ተባሂሉ ግን። መልሱ ንሃልኪ ፕሮፖጋንዳ፤ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ንብዓት ሓርገፅ እናነባዕኻ ንምድንጋርን፤ ንይምሰል ኢሎም ይዳለውሉ ኣብ ዘለው መረፃ ደጋፊ ንምትእኽኻብን ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ኢሎም ዘካይድዎ ዘለው ሜላ’  ከም ዝኾነ ንማንም ግልፂ’ዩ፣
     ንምጥቕላል።-  ምዕባለ ሃገር ይኹን ጥቕሚ ህዝቢ ዝረጋገፅ። ተኻታተልቲ ኣኼባታት ብምክያድን ወርቃዊ ቃላታት ብምዝራብን ዘይኮነስ። ብተግባር ክሽረፍ ዝኽእል ምንቅስቓስን ቀጥታዊ ረብሓ ህዝቢ ዘረጋግፅ መስመርን ምስ ዝህሉ ጥራይ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ፣