Thursday, October 30, 2014

ኣብ መንጎ ከባቢታት ኣብርሃ-ጅራን ዓብደ ራፊዕን ሰባት ፅዒና ትጓዓዝ ዝነበረት መኪና ብኣባላት ፖሊስ ኢህወዴግ ከም ዝተኸተረት ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም፣





ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ጎንደር ብከባቢ ኣብርሃ-ጅራን ዓብደራፊዕን ልዕሊ 18 ዝኾኑ መዓልታዊ ስራሕ ዝሰርሑ ሸቃሎ ፅዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ሚኒባስ ዝዓይነታ መኪና፤ ኣኽበርቲ ፀጥታ መሲሎም ኣብ’ቲ ከባቢ ክንቀሳቐሱ ዝፀንሑ 4 ፖሊስን ምልሻን ክሳብ ዝፅልምት  ክፅበዩ ፀኒሖም ሰዓት 3:00 ናይ  ለይቲ  ነቶም ኣብ’ታ መኪና ተሳፊሮም ንዝነብሩ ሰባት ብምፍታሽ ገንዘብ  ከም ዝወሰድሎም ተፈሊጡ፣

ካብቶም ብፖላዊስ ገንዘቦም ዝተኸተሩ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ፦ ገብረኪዳን ካሕሳይ 1,800 ብር፤ ገረችኤል ትኩእ 1,750 ብር፤ ዓወት ትርፈ 2 ሽሕ ብር፤ ዛይድ የማነ 1,400 ብር  ከም ዝተኸተሩ ምንጭታታና ካብ ዝላኣኽዎ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

እዚ ከምዚ ዓይነት ስሰዐ ዝወለዶ ብኣባላት ፖሊስ ዝፍፀም ክትራን ኣብ’ቲ ከባቢ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተጋደደ ብምምፅኡ፤ ነባሪ ህዝቢ ካብን ናብን ክንቀሳቐስ ዉሕስነት ስኢኑ ኣብ ፀገም ወዲቑ ከም ዝርከብ ኣብ ዝሓለፉ  ዜናታትና ክንገልፅ ምፅናሕና ይፍለጥ፣   
  ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ስሜን ምዕራብ ትግራይ ኣብ  ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ዝርከቡ ፖላዊስ ገበን ንዘይፈፀሙ ዜጋታት ይቐትሉ ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ  ገሊፆም፣

   ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና እቶም ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ  ዝርከቡ ፖላዊስ ናብ ከባቢ ዓዲ ሃገራይ ፍሉይ ቦታ ዓዲ ተልዖም ናብ  ዝተብሃለ ከባቢ ብምኻድ ወርቂ ብምእራይ መነባብርኦም ንዝመርሑ ወገናት፤  ስለ ምንታይ ኣብ ዘይተፈቐደ ቦታ ወርቂ ትኣርዩ ብምባል ይቐትሉ ከም ዘለዉ ተገሊፁ፣

       እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ብሰንኪ እቲ  ኣብ መንጎ ፖላዊስን ኣረይቲ ወርቅን ዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ብ2 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ነጋሲ  ወ/ማርያም  ዝተባሃለ ሲቪል በቶም ፖሊስ ዝተቐተለ እንትኾን፤ ናይ’ዚ ገበን ፈፃምን  ተሓታትን ድማ ምክትል ኢንስፔክተር ለገሰ እዩ እናተብሃለ ይዝረብ ብምህላዉ  ነዚ ዝሰምዑ  ስድራ መዋቲ ድማ ኣብ ቤት ፍርዲ ከሲሶም ተቐቢሉ ዘፃሪ ኣካል ከምዘይረኸቡ ተፈሊጡ፣