Thursday, October 30, 2014

ኣብ ሃገርና መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ዝቕተሉ ወገናት ቁፅሪ ኣዝዮ እናተባራኸቱ ይኸዱ ምህላዎም ተገሊፁ፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ብሓደ ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ “ገነት ሃዉስ” ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ሆቴል፤ ጌትነት የማነ ዝተብሃለ ወገን መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ከም ዝተቐተለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘመላኽቶ፤ እቶም ነቲ ገበን ዝፈፀሙ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከይዉዓሉ ስለ ዝተሰወሩ፤ ፖላዊስ እታ ከተማ ድማ ይሰርሑ ኣለዉ ንኽበሃሉ ኣብ ከባቢ እቲ ሆቴል ንዝረኸብዎም 5 ሰባት ብጥርጠራ ንስኹም ኢኹም ፈፀምቲ ናይ’ዚ ቅትለት ብምባል ኣሲረሞም ከም ዝርከቡ ድሕሪ ምግላፅ።፤ ነባሪ ህዝቢ ግን ካድረታት እቲ ስርዓት ኣቀናቢሮም ባዕሎም ዝፈፀምዎ ገበን’ዩ ብምባል ጥርጠርኦም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ተፈለጡ፣

ብተመሳሳሊ  ኣብ ከተማ ዓድዋ ብ6 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ተስፋይ ፍስሃ ዝተብሃለ ዜጋ መንነቶም  ብዘይተፈለጡ ሰባት ለይቲ ካብ ገዝኡ ኣዉፂኦም ከም ዝቐተልዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ፈፀምቲ ገበን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሕጊ ክዉዕሉ ብዘይምኽኣሎምን ዝተገብረ ምፅራይ ብዘይምህላዉን ቤተሰብ መዋቲ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ዘለዎም ቅሬታ ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ኣረዲኡ፣