Thursday, October 30, 2014

ኣዘዝቲ ፖሊስ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ዉልቃዊ ድሌቶም ዘየማልኣ ኣብ ትሕትኦም ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ዘለዎም ስልጣን ተበሊፆም የንከላብትወን ምህላዎም ተሓቢሩ፣





ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ዝርከብ ኣዛዚ ፖሊስ ምክትል ኮማንደር ዳኒኤል ኣብ ትሕትኡ ተመዲበን ዝሰርሓ ኣባላት ፖሊስ ደቂ ኣንስትዮ ንጊዚያዊ ስጋዊ ርክብ ክጥቀመለን ፈቲኑ ስለ ዘይተቐበለኦ ጥራሕ ዘለዎ ናይ ስራሕ ሓላፍነት ተጠቒሙ ካብ ዝተመደባሉ ሞያ ስራሕ ኣልዒሉ ኣብ ተራ ዋርድያ ኮይነን ክሰርሓ ይገብር ከም ዘሎ ብ14 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ብዞባ ደረጃ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ ከም ዝተቓለዐ ልሒኹ ዝበፅሐና ሓበሬታ ኣፈሊጡ፣

 እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ እቲ ኣዛዚ ፖሊስ ብፍላይ ንሓንቲ በዓልቲ ሞያ ዝኾነት ፖሊስ ግዝያዊ ስምዒቱ ንምርዋይ ደጋግሙ ሓቲቱዋ ምስ ኣበየቶ ብሓይሊ ኣገዲዱ ክጋሰሳ ፈቲኑ እዉን ምስ ፈሸሎ ነዚ ስዒቡ ካብ’ቲ ብኣገባቡ ሰልጢና ንዓመታት ክትሰርሓሉ ዝፀነሐት ናይ ዉሽጢ ቤት ፅሕፈት ሞያ ስራሕ ኣልዩ፤ ተራ ዋርድያ ኮይና ክትሰርሕ ከም ዝመደባ ዝፈልጡ ኣብቲ ኣኼባ ከም ዝቃልዕዎ ድሕሪ ምግላፅ፤ ብምኽንያት እዚ ከኣ ኣብ መንጎ መራሒ መድረኽ ኮማንደር ገብረኪዳን ኪዳኑ ወዲ ሸራሮን ምክትል ኮማንደር ዳኒኤልን እመን ኣይኣምን ዝወለዶ ዓብዪ ምስሕሓብ ኣጋጥሙ እኳ እንተነበረ ኣብ ልዕልኡ ዝተወሰደ ኣራሚ ስጉምቲ ከም ዘየለ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ፣