Thursday, October 30, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ዓውደ ራፍዕ ዝርከቡ ፖላዊስ መንእስያት ጨውዮም ናብ በረኻ ብምውሳድ ይቐትሉ ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣




ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ፖላዊስ ከተማ ዓውደ ራፍዕ ብላዕለዎት ሓለፍቶም ቅተልዎም ንዝተበሃሉ ንፁሃት ዜጋታት ምሸት ናብ በረኻ  ወሲዶም  ይቐትሉ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ብመሰረት እዚ ከኣ ሓጎስ እንባዬ ንዝተብሃለ መንእሰይ ብ11 ጥቅምቲ 2007 ዓ/ም ከም ዝቐተልዎን፤ ህዝቢ ንኸይነቕሓሎም ድማ  ሰሊጥ ክሰርቕ’ዩ ሞይቱ ምእንቲ ክብሃል ኣብ ኢድ መዋቲ ሰሊጥ ብምቕማጥ  ኣብ መንጎ ዝተኣከበ ሰሊጥ ከም ዝሓብእዎ  ክፍለጥ ተኻኢሉ፣

 እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ  ንመንእስይ ሓጎስ እምባዬ ዝቐተለ ኣሻግሬ ዝተበሃለ ኣባል ፖሊስ ከም ዝኾነ  ድሕሪ ምግላፅ፤ እዚ ብፖላዊስ ዝፍፀም ዘሎ ዜጋታት ናይ ምቕታል ተግባር፤ ኣብ ከተማ ዓውደ ራፍዕ ጥራሕ ዘይኮነስ  ኣብ ሙሉእ ሃገርና ኢትዮጵያ  ዝካየድ ዘሎ ኣረሜናዊ ተግባር ምዃኑ ናይ ዜጋታት መዛረቢ ዛዕባ ኮይኑ ከም ዘሎ ይፍለጥ፣