Saturday, November 1, 2014

ተኣመንቲ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ኮይኖም ከገልግሉ ዝፀንሑ ኣባላት ድህንነት። ምስ ተቓወምቲ ርክብ ኣለኩም ብዝብል ይእሰሩ ምህላዎም ተሓቢሩ፣




ከም ሓበሬታ ምንጭታትና። ብሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ኣባላት ድህንነት ተባሂሎም ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ተመዲቦም ክሰርሑ ካብ ዝፀንሑ ሓደ ሳሚ ዝተባህለ። ብ9 ጥቅምቲ 2007 ዓ.ም ብላዕለዎት መራሕቱ ናብ መቐለ ተሳሒቡ ኣብ ዝተሳተፈሉ ገምጋማዊ ኣኼባ። ጌታቸዉ ኣሰፋ ዝተባህለ መራሒ እቲ መድረኽ ምስ ተቓወምቲ ርክብ ትገብርን ትተሓባበርን ፀኒሕኻ ብዝብል ብቐጥታ ናብ ኣዲስ ኣበባ ተወሲዱ ክእሰር ከም ዝገበረ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

  ኣስዒቡ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ። እቲ ኣብ ክልላት ዓፋርን ትግራይን ተዋፊሮም ዝሰርሑ ኣባላት ድህንነት ዝተሳተፍሉ ገምጋማዊ ኣኼባ። ኣብ ክልትአን ክልላት ክሰርሑ ፀኒሖም ኣብዚ እዋን በቲ ገዛኢ ጉጅለ እምነት ዝተሳእኖም ኣባላት ድህንነት። ቅድሚ መረፃ ምእታዉ ኣሲርካ ብምእላይ ብካልኦት ተኣመንቲ ንምትካእ ዝዓለመ ብምዃኑ። ገና ሕዚ እዉን  ምስ’ቲ ዝተኣሰረ ሳሚ ዝተብሃለ ኣባል ድህንነት ርክብ ኣለዎም ዝበልዎም ንምእሳር ሽርሕታት ኣብ ምእላም ከም ዘለዉ ኣረዲኡ፣