Friday, March 6, 2015

ናይ ክልል ኣምሓራ ፖሊስ ኮሚሽን ኣብ ከቢድ ወጥሪ ዝዓሰሎ ገምጋም ተፀሚዱ ከም ዝቐነዩ ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



   ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ክልል  ፖሊስ  ኮሚሽን ኣዳራሽ ካብቲ ክልል ዝተውፃፅኡ ካብ ሳጂን ንላዕሊ መዓርግ ዘለዎም ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎ ካብ 14 ክሳብ 17 ለካቲት  2007 ዓ/ም  ንተኸታተልቲ 3  መዓልታት ካብ ዝቐረቡ ኣጀንዳታት “ኣብ ክልልና  ናይ ኣሸበርቲ ምንቅስቓስ ንከላኸል” ብዝብል ወጥሪ ዝተመለኦ ገምጋም ከም ዘካየዱ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
     ኣብቲ ከቢድ ተባሂሉ ዝተዘረበሉ ገምጋም ንግዚኡ ሽሞም ዘይተፈልጡ ክልተ ንፁሃት ኣባላት ፖሊስ “ህዝቢ ኣብ ልዕሌና ልዑል ፅልኣት የርእየሉ ኣብ ዘለሉ እዋን ንስኹም ምስ ኣሸበርቲ ምትሕብባር  ትገብሩ ኢኹም ብዝብል ሰበብ ተገምጊሞም ከም ዝተኣስሩ ምንጭታትና  ገሊፆም።