Friday, March 6, 2015

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ መልእኽቲ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ /ዴምህት/ ዝሓዘ ፓምፕሌት ከም ዝተርገሐ ምንጭታትና ገሊፆም።


       ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ዝተዘርገሐ መልእኽቲ ውድብ ዲሞክራስያዊ  ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ  /ዴምህት/ ዝሓዘ በራሪ ወረቓቕቲ ኣብ ኢድ ህዝቢ በፂሑ ክንበብ ከም ዝኸኣለ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብቶም ዝተዘርገሐሎም ከባቢታት ገለ ንምጥቃስ ድማ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዓድግራትን ማእኸል ከተማ ዓድግራትን ብ14 ለካቲት 2007 ዓ/ም ምብታኑ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብ ከተማ መቐለ’ውን ኣብ ከባቢ ቀዳማይ ወያነ፤ ከባቢታት መስፍን ኢንጂነሪንግ ኣብ  በራሕለ ሆቴልን፤ ከባቢ ቤት ህንፀትን ብ19 ለካቲት 2007 ዓ/ም ከም ዝተበተነ  ተፈሊጡ።
     መልእኽቲ ናይቲ ፓምፕሌት ድማ ን17 ዓመት ዝተኻየደ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ብመራሕቲ ህወሓት ምጥላሙን  ኣብ ስልጣን ዝርከብ ገዛኢ ጉጅለ ህወሓት-ኢህወዴግ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ነቲ ምስሉይ መረፃ  ፍትሓዊ፤ ዴሞክራሲያውን ሰላማውን ክኸውን እዩ እናበለ ዝዛረበሉ ዘሎ  ኣብ ተግባር ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ስለዝኾነ እቲ እዋናዊ መፍትሒ ብረታዊ  ቃልሲ ምክያድ ምዃኑ ዝሕብር ከም ዝኾነ ድሕሪ ምግላፅ  ነዚ ኣምቢቡ ዝተረደአ ህዝቢ ድማ  ነቲ ሓቅነት ናይ’ቲ መልእኽቲ ብምግንዛብ ታሕጓሱ ከም ዝገለፀን ብኣንፃሩ ስበሰልጣንን ካድረታትን ህወሓት ድማ ኣብ ከቢድ ስግኣት ከም ዝወደቑ ምንጭታትና ዝለኣኽዎ ሓበሬታ የመልክት።