Friday, March 6, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ደጋ-ዳሞት ኣብ ቤት ፅሕፈት ልቓሕን ዕቋርን ዋርዲያ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ትካል ቀቲሉ ከም ዘምለጠ ተፈሊጡ።



    ኣብ ወረዳ ደጋ-ዳሞት ኣብ ዝርከብ ትካል ልቓሕን ዕቋርን ዋርድያ ኮይኑ ክሰርሕ ዝፀንሐ ኣይተ ኣበበ ገድፍ ዝተብሃለ ሰራሕተኛ ክልተ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይቲ ቤት ፅሕፈት  ቀቲሉ ከም ዘምለጠ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ መቕተሊኡ ምኽንያት ድማ እዞም ሓለፍቲ ብ10 ለካቲት 2007 ዓ/ም ለይቲ ናብቲ ቤት ፅሕፈት ኣትዮም ነቲ ናይ ገንዘብ ካዝና ክሰርቁ ኣብ ዝፈተንሉ እዋን ተኲሱ ከም ዝቐተሎም ተፈሊጡ።
    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ኣይተ ኣበበ ገድፍ  ኣብ ልዕሊ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ክሰርቁ ንዝተዋፈሩ ሰበስልጣን ዝወስዶ ናይ መቕተልቲ ስጉምቲ ብነበርቲ  እቲ ከባቢ ተቐባልነት ስለዝረኸበ በዚ  ኩነታት ዝተናደዱ ናይቲ ስርዓት ካድረታት ናብ ትውልዲ ዓዱ ባንጂ ብምኻድ  ይደሊዎ ምህላዎም ተገሊፁ።