Tuesday, May 26, 2015

ኣብ ከተማ ነቀምቴ ዝርከቡ ዕጡቛት ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ልዕሊ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ናይ’ታ ከተማ ቡምባ ተኲሶም ጉድኣት ከም ዘውረዱ ተገሊፁ።



    ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ነቀምቴ ዝርከቡ መጋበርያ ስርዓት ኢህወዴግ ዝኾኑ ዕጡቛት ብ12 ግንቦት 2007ዓ/ም  ናብ ውሽጢ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርስቲ  ተፈንጃሪ ቡምባ ብምድርባይ ኣብ ልዕሊ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ከቢድ ጉድኣት ከም ዘወረዱ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብ’ቶም በቲ ተተኳሲ  ግዳይ ዝኾኑ  ካብ ዝኾኑ 4ደቂ ኣንስትዮ ተማሃሮ ጓንቲን ደርቤ ዝበሃላን  ካልኦትን ዝርከበአን  ተፈሊጡ።
     እቶም ዕጡቛት እቲ ተተኳሲ ቡምባ ካብ ተቓወምቲ ውድባት ዝተደርበየ እዩ ብምባል ከደናግሩ ፈቲኖም’ኳ እንተነበሩ እቶም ተምሃሮ ግን እዚ ብተቓወምቲ ዘይኮነስ ባዕልኹም ዝገበርኩሞ’ዩ ኣብዚ ከባቢ ተቓወምቲ እንተነይሮም ንምንታይ ዘይትሕዝዎም ብምባል ንሕሱር ተግባሮም ብግልፂ ከም ዝነገርዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
 ካብታ ከተማ እንተይ ወፃእና ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብ10 ግንቦት 2007 ዓ/ም ናብ ከተማ ነቀምቴ ብምኻድ ንኸምስል ሓዱሽ ንዝስራሕ መዕረፎ ነፈርቲ እምነ ኩርናዕ ንምንባር ኣብ ዝፈተነሉ እዋን ህዝብን   ተምሃሮን እታ ከተማ ድማ ቅንዕና ዘየብሉ፤ ንመረፃ ክበሃልን ህዝቢ ንምዕሻውን ደኣ’ምበር እታ ዕለተ መረፃ ምስ ሓለፈት ዝቕፅል ኣይኮነን ናብ ቦታና ከይኣቱ ብምባል ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ዘካየደሉ እቲ ተቓውሞ ብሓይሊ ዕጡቛት ክብተን ከም ዝገበሩ ተፈሊጡ።