Friday, May 29, 2015

ድሕንነት ህዝቢ ዘይሕሉ ናይ ወፃኢ ፖሊሲ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ!!



    ሓደ መንግስቲ ጠንካራ ዘተኣማምን ፖሊሲ ወፃእን ብሄራዊ ድሕንነትን ቀይሱ ሉኣላውነት ህዝብን ሃገርን ኣብ ምሕላው፤ ድሕንነት ሰላም ምርግጋፅን ረብሓን ድልየትን ሃገር ንክኽበር ዘኽእል ምንቅስቓስ ክገብር ትፅቢት ይግበሮ።
    በዚ መንፅር ድማ ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ውሽጢ ሃገርና እናሰርሓሉ ዝርከብ ጉዳይ ናይ ወፃኢ ደሕንነትን ፖሊስታትን እንታይ ይመስል፤ ክስራሕ ወይ ከፍፀም ኣለዎ ተባሂሎም ካብ ዝግለፁ ነቶም ቀንዲ ቀንዲ እኳ እንተርኢና መብዛሕትኦም ኣብ ኣፈፃፅማ ንፕሮፖጋንዳ ጥራይ ተባሂሎም ካብ ዝግለፁ ኣብ ሃገራት ወፃኢ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ብዝሕልው መንገዲ እንትስረሓሎም ኣይረኣዩን።
   ስርዓት ኢህወደግ ናይ ወፃኢ ፖሊሲኡ ኣብ ምፍፃም ትኹረት ይገብረሎም እየ ኢሉ ከብ ዘቐምጦም ነገራት።
-   ንረብሓ ህዝብ ኢትዮጵያ ማእኸል ዝገበረ ስርዓተ-ዴሞክራሲ ምህናፅ፤
-   ቅልጡፍ ቁጠባዊ ልምዓትን ምዕባለን ንምምፃእ ፃዕሪ ምግባር፤
-   ሰላምን ምርግጋእን ምፍጣር። አጠቃላሊ ፖሊስታት ብትኽክል ከፍፀሙ ምግባር
-   ዓቕሚ ዘለዎም ኣፈፀምቲ ኣካላት አብ በቦትኡ ብምውፋር ነቶም ፖሊስታት ክትግበሩ ምግባር ዝብሉ እኳ እንተኾኑ እቲ ስርዓት ግን ብዘገርም ኩነታት ኣብ ውሽጢ 24 ዓመታት ናይ ስልጣን ኣገዛዝእኡ ነቲ ገሊኡ እውን ንምዕማም ዓቅምን ክእለትን ኣይረኸበሉን።
       ቤ/ፅሕፈት ወፃኢ ጉዳይ ሚኒስተር ሃገርና ናይ ሓደ ፓርቲ ጥቕሚ ማእኸል ዝገበረን ጉዳይ ኣፈፃሚ ኢህወደግ ብምዃኑን እሙናት ናይ’ቲ ስርዓት ብዝለዓለ ደረጃ ዝርከብዎ ስለ ዝኾነን ብፍላይ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ኤምባሲታትን ሰራሕተኛታት ዲፕሎማስን ናይቲ ስርዓት ፀረ ዴሞክራሲ ኣገዛዝኣ ንምሽፋንን ኣብ ልዕሊ ዲያስፖራ ዝተዘርገሐ ናይ ስለላ መርበብ ንምክታታልን ክፍፀም ንምግባርን እምበር ረብሓ ሃገር ብዝሕለወሉ መንገዲ ምስ ሃገራት ክህሉ ዝግበኦ ጥዕና ዘለዎ ርክብ ይፈጥሩ ከም ዘየለው ይፍለጥ እዩ።
      ስርዓት ኢህወደግ ናይቲ ህዝቢ ረብሓን ድሕንነትን ብዘይሕሉ መልክዕ እናሰርሓሉ ካብ ዝርከብ እቲ ሓደ ኣብ ጉዳይ ኣጠቓቕማ ኢንቨስትመንት እዩ። ኣብ ዝሕዚ እዋን ብርክት ዝበሉ ሰብ ሃብቲ ወፃኢ ናብ ሃገርና ክኣትው’ኳ እንተተገብረ እዚ ናይ ኢቨስትመንት ምንቅስቓስ ብኣንፃር ረብሓን ምዕባለን ሃገር ተራእዩ ዘይኮነስ ብዓይኒ ፖለቲካዊ ረብሓ ጥራይ እናተሰርሓሉ ይርከብ።
   ሎሚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ናይ ወፃኢ ኢንቨስትመንት ክኸውን ዝግብኦ ክለምዕ ኣብ ዝግብኦ ከባቢ እምበር ዜጋታትና ንመስርሒ መንበሪ ገዛ ዝኸውን ቦታ ስኢኖም ኣብ ፀገም ኣብ ዝወደቕሉ ግዜ ኣብ ውሽጢ ከተማ ንኢንቨስተራት ተባሂሉ ካብ 60 ክሳብ 70 ሄክታር ዝግመት መሬት ክወሃቦም እዩ ዝግበር ዘሎ።
    ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ከሓድን ፀረ ህዝብን ስርዓት ምክንያት ዜጋታትና ሃገሮም ገዲፎም እናተሰደዱን ኣብ ዝኸድዎ ከባቢ ኣፀጋሚ ሂወት እናሕለፉ ከም ዝርከቡን ካብ ናይ ወፃኢ ሓደጋ ዝናገፈሉ ኩነታት ዘይምህላውን ዘርኢ ብዙሕ መርኣያታት ክቀርቡ ይኽእሉ’ዮም።
    ካብ ስዑድ ዓረብ ሰብኣዊነት ብዘይብሉ መንገዲ ሰሪሖም ዘጥረይዎ ሃብትን ንብረትን እኳ እንከይሓዙ ካብ ጎደና እናተኣርዩ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ዜጋታት፤ ኣብ ሊቢያን ደቡብ ኣፍሪካን ብዘሰካሕኽሕ መንገዲ ሂወቶም ዝሰኣኑ ንፁሃን ወገናት፤ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ንክኸዱ ኣብ ኮንቴነር ተዓፊኖም ዝሞቱን ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ የመን ብሰንኪ ዝተፈጠረ ህውከት ሂወቶም ዝሓለፉ ዜጋታትናን መንግስቲ ቅልጡፍ ስጉምቲ በዘይምውሳዱ ምክንያት ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝርከቡ ብሓፈሻ ባሕሪ አቋሪፆም ናብ ስደት እንተምርሑ ዝበፅሕ ዘሎ ዘሕዝን ህልቂት ንብልሹው ኣካይዳ ወፃኢ ጉዳይ ድሕንነት ኢህወደግ ዘርኢ ሙዃኑ እምበር ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን። 
     ብሓፈሻ ህዝቢ ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ሰርሑ ከይምዕብል፤ ኣብ ሃገርና ብሰንኪ ዘሎ ግዑዙይ ፖለቲካዊ ኩነታት ተገዲዱ ንኽስደድ፤ መንእሰይ ሓይሊ ዕድል ስራሕ ረኺቡ ከይሰርሕ፤ ኩሉ ነገር ውድባዊ ብዝኾነ ኣሰራርሓ ስለ ዝውዳእን ፖለቲካዊ ወገናዊነት ብዓብይኡ ስለ ዝርአን፤ ብፍላይ ግዕዝይናን ስእነት ሰናይ ምምሕዳርን ኣዝዩ  ተጋፊሑ ኣብ ዘለወሉ ግዜ ኢህወደግ ናይ ሃገርና ፖሊሲ ወፃኢ ጉዳይ ድህንነት ኣብ ፅቡቕ ኩነታት እዩ ዝርከብ ምባሉ ኣብ ህዝቡ ዘለዎ ንዕቐት ክንደየናይ ዝኣክል ከም ዝኾነ ዘርኢ’ዩ።