Tuesday, May 26, 2015

ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ መናእሰይ ናብ ዉትህድርና ክኣትዉ ብሰበ ስልጣን ጉጅለ ህወሓት/ኢህወዴግ ዝካየድ ዘሎ ጎስጓስ ብህዝቢ ዓብዪ ተቓዉሞ ይገጥሞ ከምዘሎ ተፈሊጡ።



ላዕለዎት መኮንናት ዝርከብዎም ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ኣብ ዝተፈላለየ ወረዳታት ክልል ትግራይ እናተቀሳቐሱ ህዝቢ ኣኪቦም መንእሰይ ናብ ዉትህድርና ክኣቱ ከም ዘለዎ ጎስጓስ ኣብ ምክያድ ተፀሚዶም ኣብ ዘለውሉ ህዝቢ ይቃወሞም ከም ዘሎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ኣብ ወረዳታት ኣሕፈሮምን ወርዒ ለኸን ዝነብር ህዝቢ ደቅና ንዕድመ ስልጣን ዉሑዳት ጉጅለ ንምሕላዉ ክብሉ ኣብ ዘይተደለየ ቦታን ግዜን ክሞቱ ናብ ዉትህድርና ኣይንእቱን ከም ዝበሎም ምንጭታትና ገሊፆም።
ነዚ ተቓዉሞ ዝተዓዝቡ ላዕለዎት መሪሕነት ህወሓት ፍታሕ ንምንዳይ ብዝብል ዕፁዉ ኣኼባ ኣብ ዝቕንያት ኣብ ዘካየድሉ “ህዝቢ ትግራይ ስለ ምንታይ ካባና ይርሕቕ ኣሎ ዝብል ርእሲ ኣልዕሎም ዋላ እኳ እንተተዘራረቡ እዙይ ዝባሃል መፍትሒ ከየቐመጡ ከም ዝተበተኑ ውሽጢ ፈለጥቲ እቲ ዛዕባ ዝኾኑ ምንጭታትና ኣፍሊጦም።