Sunday, September 13, 2015

ውድባዊ መግለጺ



ውድብና ድምህት ኣብ 19 ለካቲት 1993 ዓ/ም ብረት ዓልዒሉ ቃልሲ እንትፍልም ዕላምኡ ንፁርን ዘየሻሙን'ዩ  ነይሩ።
ንሱ ድማ ኣብ ሃግርና ዘሎ ዓፋኒ ስርዓት ንህዝብና ክፋፊሉ ስብኣዊ መሰሉ ረጊጹ ንምግዛእ ብዝጥዕሞ መንገዲ ይጓዓዝ ስለ ዝንበረ ውድብና ድምህት ድማ ነዚ ነገር እዚ ንምቕያር ምስ ኩሎም ኣብ ሓድነት ኢትዮጵያ ዝኣምኑ ውድባት ብምትሕብባር ህዝባዊ ስርዓት ንምትካልን ሓንትን ዲሞክራሲያዊትን  ኢትዮጵያ ንምህናፅ ዝብል ዕላማ ሓንፂፁ ኣንጻር ገዛኢ ጉጅለ ስርዓት ህውሓት ኢህውድግ ዝቐነቐ ቃልሲ ካብ ዝጅምር 14 ዓምታት ተጓዒዙ'ሎ።
ኣብ ውሽጢ ጉዕዞ 14 ዓምታት ውድብና ዴምህት ዓብይቲ ውታሓድራዊ ፖልቲካዊ ፣ ማሕብራዊን ቁጠባውን ዓወታት እናተጓናጽፈ ምጺኡ እዩ። ቃልሲ እንትባሃል ልሙጽ ከም ዘይኮነ ግን ካብ ሕሉፋት ቃልስታት እናተማሃርና መጺእና ኢና።
ውድብና ዴምህት'ውን ኣብ ውሽጢ እዚ ሓጺር ዕድመ ዓወታት ክጓናጽፋ እንከሎ ዝተፈላለዩ መሰናኽላት ስጊሩ እዩ።
ኣብዚ ቀረባ ማዓልትታት ድማ ዝትወስኑ ኣብቲ ቃልሲ ዝጸንሑ ውልቀ ስባት ውልቃዊ ረብሓታቶም ስለ ዝጎድሎም እቲ ቃልሲ በቲ ንውልቆም ዘርብሖም ኣንፍት ክዝውርዎ ስለ ዘይካኣሉ በቲ ኣብዝሓ ህዝባዊ ተቓላሲ ኣብ መድረኽ ስለ ዝተታሓዙ ተስፋ ቆሪጾም ካብቲ መስመር ቃልሲ ተኣልዮም ኣለው።
ዝኸበርካ ሓፋሽ ህዝብና እዞም ውልቀ ስባት እዚኦም ውስናት ስብ ውልቀ ረብሓ ድኣምብር ንቓልሲ ዲምህት ዝውክሉ አይኮኑን።
እዞም ሰባት እዚኦም ካብ ቃሊ ተኣልዮም ማለት ድማ ውድብና ዴምህት ርስሓታ ድኣ ተጽሪጉ እምበር ቃልስና ንካልኢት'ውን እንትኾነ ኣይተዓናቕፍን።
ቃልሲ ዴምህት ሒዝዎ ዝተበገሰ ዕላማ ድልየት መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ስለ ዝኾነ ክነቕሎን ክተኽሎን ዝኽእል ህዝቢ ድኣምብር ውልቀ ስባት ኣይኮኑን። ቃልስና ድማ እቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ጸረ ህዝቢ ገዛኢ ጉጅለ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ህዝብና ዘበገሶ ዕጥቃዊ ቃልሲ ሽትኡ ከይወቐዐ ንድሕሪት ኣይብልን።
ስለዚ ኩልኻ ሓፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነዚ ተረዲእኻ ኣብ ጎኒ እቲ ብደቅኻ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልሲ ልዕሊ ኩሉ እዋን ጠጠው ክትብል መላእ ተጋዳላይ ዴምህት ይጽውዕ።
                                                   መንገዲ ዴምህት መንገዲ ዓወት'ዩ
                                                         ዓውት ንውፃዓት!!