Wednesday, September 9, 2015

ናይ ህዝቢ ሕቶታት ብናይ መብፅዓ ቃላት ኣይፍታሕን!!



ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበረ ፋሽሽታዊ ወተዳራዊ ስርዓት ደርግ ንምልቓቕ ናይ ሰብ ህይወትን ንብረትን ዝሓተተ መሪር ተጋድሎ ኣካይዱ ንደርግ ሲዒርዎ እዩ።
እንተኾነ ግን ህዝቢ ኢትዮጵያ እቲ ኣንፃር ደርግ-ኢሰፓ ተቓሊሱ ብዝኸፈሎ መስዋእቲ እቲ ዝተመነዮን ዝተቓለሰሉን ዕላማ ምሉእ ብምሉእ ሽትኡ ክወቅዕ ኣይከኣለን ጥራሕ እንተይኮነስ ብህወሓት ኢህወዴግ ተጠሊሙ እዩ።
ኢህወዴግ ኮነ ኣብ ሕቑፍኡ ዝርከባ ውድባት ብፍላይ ከኣ ህወሓት መበል 12 ጉባኤኡ ጎደናታት መቐለ ካብን ናብን ብምዕፃው ምንቕስቓስ ነባሪ ከተማ መቐለ ብምዕጋት ንሽዱሽተ መዓልታት ምሉእ ቖሪንዎ ምቕናዩ ብዙሕ ምርምር ዘድልዮ ኣይክኸውንን።
እቲ ተኻይዶም ዝበሃለሉ ዘሎ ጉባኤታት ህወሓት፤ ኦህዴድ፤ድህዴግን ብኣዴንን ዕድመ ስልጣን ኢህወዴግን ንዕኡ ዝመርሑ ሰበስልጣንን ካድረታትን ናይ ስልጣን ዘመኖም ብምንዋሕን ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ብምጉሕጓሕ ሚሊየነራት ንምዃን ተዘይኮይኑ ንሓፋሽ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝፍይዶ ዋላ ሓንቲ ነገር ከምዘየለ ክፍለጥ ይግባእ።
ኢህወዴግ ኣብ ህዝብ ዘለዎ ተቐባልነት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናንቆልቆለ ኣብዚ ሕዚ ግዜ ባይታ ዘቢጡ ኣብዘለሉ ኣብ ጉባኤና ካብ ኩሉ ክፋል ህብረተሰብ ዝተረኸብሉ እዩ ክብሉ ምዝራቦም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘለዎም ትሑት ኣመለኻኽታ ዘንፀባርቕን ህዝቢ ዘየኽብሩን ምኳኖም ዘረድእ እዩ፣ እንተ ኣብቲ ጉባኤኦም ኣጋር ውድባት እናበሉ ናይ ዝፅውዕወን ሽግር ህዝብን ዴሞክራሲያዊ መሰል ህዝቢ ዘየኽብሩን ልዕልነት ሕጊ ዝጥሕሱን ካድረታት ስለዝተረኸቡ ናይ ህዝቢ ወኪላት ተረኾቦም ኢሉ ምዝራቡ ዘስደምም እዩ።
ህዝቢ ኢትዮጵያ ካብ መፋርቕ 1950ታት ጀሚሩ ናይ ዴሞክራሲ፤ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ናይ ሕጊ ልዕልነትን ይከበሩ ህዝቢ ኢትዮጵያ ናይ ሃገሩ ሃፍቲ ተረባሓይ ይኹን፣ ሃገር ናይ ውሑዳት እንተይኮነተስ ናይ መላእ ኣብ ሉኣላዊ ግዛታ ናይ ዝርከብ ዜጋ ወዲ ሃገር እያ ዝብሉ ሕቶታት ብምልዓል ህዝቢ ኢትዮጵያ ቀያሕትን ፀለምትን ደቁ ንመስዋእትነት ገቢሩ ፀላእቱ ውልቀ መልካዊያን ገዛእቱ ብቕልፅሙ ዋላ እኳ ካብ መንበረ ስልጣኖም እንተኣለዮም እግር እግሮም ብመስዋእቲ ደቂ ህዝቢ ናብ ስልጣን ዝተኾየጠ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ነቶም  ናይ ህዝቢ ሕቶታት ጎስዮ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ላዕልን ታሕትን ኣብ ምባል ይርከብ።
ይኹን’ምበር ንዕስራን ኣርባዕተን ዓመታት መመላእታ ፅባሕ ደኾን ይመሓየሽ ይልወጥ ደኾን ብምባል ህዝቢ ብትዕግስቲ ንዝተወሰኑ ዓመታት ክፅበ ድሕሪ ምፅናሕ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ኣንፃር ስርዓት ኢህወዴግ ቃልሱ ብምውላዕ ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ስርዓትን ንመራሕቱን ፀላዕላዕ እናበሎም ኣብ ዘለሉ ናይ ህዝቢ ተባራዕቲ ሕቶታት ማለት ናይ ማሕበራዊ፤ ፖለቲካዊን ቁጠባውን ሽግራትን  ሎሚ’ውን ከም ናይ ዝሓለፉ ጉበኤታት መብፀዓ ካብ ምእታውን ቅዋም ካብ ምውፃይን ዝዘለለ ዝኾነ ለውጢ ከምፅእ ከም ዘይኽእል ዘጠራጥር ኣይኮነን።
መበል 12 ጉባኤ  ህወሓት ይኹን ሰለስቲኦም ኣባላት ኢህወዴግ ዝኾኑ ውድባትን  ክራይ ኣካብነት ብዝበኣሰ መልክዑ ክቕፅል ብምግባር ኣብ ሃገርና ናይ ኣብዝሓ ፓርቲ ስርዓት ንኸይሕሉ ሓደ ንሓሙሽተ ብዝብል ኣወዳድባ ንህዝቢ ቆሪኖም ብምሓዝን ንገለ ጥቕማጥቕምን መንግስታዊ ስራሕ ክሕዙ ብምግባርን ናይ ህዝቢ ድምፂ ፍትሓውን ዴሞክራሲያውን ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ዘይተኻየደሉ መረፃ ብሓይሊ ብረት ህዝቢ ክሽቑረር ብምግባር ንዝረኸቦ ዝተጭበርበረ ድምፂ ምሉእ ብምሉእ ስዒርና ብምባል ንዓለም ዘዛረበ ኣካይድኦም ሕጋውነት ንምልባስ  ኣብ ዝሓለፈ ቕንያት ኣብ ዘካየድዎ ጉባኤታት ኣብ ውሽጢ ናይ ኣብዝሓ ፓርቲ ስርዓት ኣውራ ፓርቲ ኮይኑ ኢህወዴግ ተመሪፀ እኳ እንተበሉ ብወገን ህዝቢ ዝቐርበሎም ዘሎ ዝተፈላላዩ ሕቶታት ዘይመለሰን ክምልስ ዘይኽእልን ፓርትን መንግስትን ህዝባዊ ሓደራ ተግባራዊ ክገብር ፈፂሙ ኣይኽእልን።
ኩሉም ኣብ ናይ ኢህወዴግ ኣባል ውድባት ዝርከቡ መራሕቲ ብፍላይ ከኣ ህወሓት ዕሙቕ ዝበለ ናይ ኣመራርሓ ተፍትሽ  ከምዝገበረን  እኹል ግዘ ሂቡ  ከም ዝተነቓቐፈ  ፅቡቕ ምምህሃር ዘለዎ ሃናፂ ኣብ ቃልሲ ዝተመስረተ ሓድነቱ ዘስጥም ስራሕ ከም ዝሰረሐን  ብጊዚያዊ ኣፈኛ ናይ መበል 12 ጉባኤ ህወሓት ብደብረፅዮን ኣቢሉ ክዛረብ ተሰሚዑ፣ እናተኾነ ግን እቲ ዝነበረ ነቐፌታ  ናይ’ቲ ኣመራርሓ ጥንካርኡን ድኽመቱን ክርእን ንህዝብን ሃገርን ዝጠቕም ውሳነ ንምሕላፍ እነትይኮነስ ነቲ ኣብ መንጎ ኣመራርሓ ህወሓት ተፈጢሩ ዘሎ ምግምማዕን ብዓይኒ ፅልኢ ምጥምማትን ካብ ክሉ ዝኸፈአ ከኣ ብግዕዝይና ዝለዝጠልቀዩ ነንሕድሕዶም ኣብ ስግኣት ስለዘለው ብኽድኑ ከምዝበሃል ኮይኑ ውሽጦም ብቕንዕና ክፍትሹ ኣይከኣሉን።
 እዚ ኮይኑ እናሃለወ ግን ኣብ መንጎ እቲ ኣመራርሓ  ተፈጢሩ ዘሎ ዓመታት ዘቑፀረ ዘይምትእምማን ዝፈጠሮ ስግኣት ስለዘሎ መነመን ከነወግድ መነመን እዮም ንስልጣናን ጥቕምናን ዝፃብኡ ንዝበልዎም ሰባት ተጎጃጂልካ ሕጋውነት ኣላቢስካ ንህዝቢ ትግራይ ብሓፈሻ ከኣ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ፅቡቕ ከምዘለው ከምስሉ ኦኣብዪ ናይ መሰናበቲ ወረቐት ኣብ ፍሬም ኣእትዮም ብምዕዳል ዝገበርዎ ምብራር ምትኽኻእ ዝብል ሽም ኣጠሚቖም ዘከየድዎ ምኻኑን ህዝቢ ክርድኦ ኣለዎ።
ስለዚ ኢህወዴግ ከምስል ንክራይ ኣካብነት ብምስዓር ናይ ልምዓታዊ ጎደና ሒዘ ይጎዓዝ ኣለኹ እንተበለ ፈፂሙ ሓደ ክልተ ግዜ ንህዝቢ ከተልል ይኽእል ኣታሊሉ እውን እንተ ሎሚ ግና ፈፂሙ ከታልል ከምዘይኽእል ብገለ ንህዝቢ ዝሃልዩ ሓቀኛታት ደቂ ህዝቢ ነቲ ዘሎ ጉዱ ጓሕጒሖም ብምውፃእ ኣቃሊዖሞ ኣለው። ስለዝኾነ ከኣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዘልዓሎም ህዝባዊ ሕቶታት ብናይ መብፀዓ ቃላት ጥራሕ  ኣይፍታሑን!! እሞ  ህዝቢ ኣንፃር ፀረ-ህዝቢ ስርዓት ኢህወዴግ ክለዓልን ከጎሓሕሮን ይግባእ።