Wednesday, September 16, 2015

ፀልማት'ዩ መንገዱ!!



ከይትዕንቀፍ ምስ ዝተዓንቀፉ
ከይትተርፍ ምስቶም ዝተረፉ

ከይተላግስ ከምቶም ዘላገሱ
እምነትን ክድዓትን ምስ ዝሓዋወሱ

ሰንደልደል ዝበለ ከይምርኮሰካ
መሳገሪ ቢንቶ ከይጥቀመልካ

ምሳኻ ውዒሉ ምሳኻ ዘይሓድር
እሙን ተመሲሉ እምነትካ ከይሽርሽር

ርስሓት ተተፀርገ ፀረኻ እምበር ማዓሰይ ቆሪርካ
ከዳዕ ተጎደለ ሰሰንካ እምበር ማዓሰይ ውሒድካ

ልቢ በሎ ጅግና
እቲ ዝኸውን ዘሎ ሓቂ ኣስተውዕለሉ
ዘይናትካ ኣይናትካን እዩ
እንታይ ክዓብሰልካ ኢሉ ምሳኻ ክህሉ።

ርስሓት'ዩ ርስሓት ዘልኣለም ሓፂብካ ዘይነፅህ
ኣብ ፅልምትምት ዝነብር በሪሁ ዘይበርህ

ኣየብቲ ኣየብቲ ክገላበጥ ክልተ ከማዕዱ
ሕማቕ ዛንታ ህይወት ፀልማት እዩ መንገዱ

ንስኻ ግን ዝበለ ይበል ሰብ
ኣፉ ዝሃቦ ድሌቱ ይዛረብ

እዝኒ ኣይትሃቦ ንሱ ኣይኮንካን ንስኻ
ፅኑዕ ተቓላሲ በዓል መትከል ኢኻ።

ብረብሓን ስሰዐን ዝሰበበ ሓንጎል
ዝዓከሰ ርእሲ ተፀሪጉ እንተኣተወ ገደል

ማሓውርካ ተፈቲሑ በቲኽካ ማሕለኻ
ዋጋ ቃልሲ ሂብካ ይፍትዉ ይፅልኡ ተዓዋቲ ኢኻ።

ጭንቁርዓስያ ክንዲ ሓርማዝ ክኸውን እየ ኢላ ተነፊሓ ሞተት እኮ ተባሂሉ
ብዓበይቲ ዓዲ ቀደም ተመሲሉ ንኽገልፅ ከምዚ ንዝበሉ

ዓቕሚ ሓፂርዎም ዓቕሚ ማናጅመንት
ከይታሓዙ ፈሪሖም ከይሕተቱ ብህይወት

ዒጊግ እንተበሉ ከም ኣረጊት መዲድ
መስመር እንተሳሓቱ እንተወፁ ካብ ሃዲድ።

ንስውድ እምበር ንግብል ንምንጉድ ፀላእትና ንመኩእ
ኣብ መስመር ነኺስና ብኒሕ ብሕራነ ሸቶና ብዓወት ንውድእ።

ዘይሰማዕኻ ስማዕ ዘይራኣኻ ረአ ንነግር ኣለና
ከሲርና ዘይኮንና ማሕለኻ ኢና በቲኽና ማሕለኻ ዕቤትና
ዕንቅፋት ኢና ፀሪግና ዕንቅፋት ናይ ቃልሲ ካብ ሱሩ ነቒልና።

ሃህ እንተበሉ ውድቀትና ዝምነዮ ጥፍኣትና ዝሃርፉ
ህልው'ዩ ወትሩ ህላወና ሓምሓሞም ይስበሩ ሃህ ኢሎም ይትረፉ።

ንነገሩ እንታይ ዘይገበሩ ዕሱብ ንዕሱብ ግድን እዩ ክሓብሩ
ሰብ ናብ ሰቡ ዝብኢ ናብ ገረቡ እንዶ ተባሂሉ።

እዚ ግን ልሙድ እዩ ሓድሽ ኣይኮነን ንዓና
ኣብ ናይ ቃልሲ መስርሕ ተመኲርናሉ ኢና

ዘርጊ እናጎደለ ሓርየት እናፀረየ
ጅግና ንጅግና እናተበራረየ ዕፅፊ እናፈረየ።

ሓለንግና እናመረረ ፅፍዒትና እናተረረ
ኣይታሓደር ለይቲ ፀላኢ እናባህረረ

ክንጓዓዝ ኢና ናብ ጎደና ዓወት
ሰሲኑ ዳኣ እምበር ኣይጎደለን ሓየት።

እንተ ንሱ ግና ሓይሉ ዝቐተለ ተስፍኡ ዘዕረበ
ዘይከም ዜጋታቱ ዘይከም ኣቦታቱ ዕጥቁ ዝፈትሐ

ከም ሰብኣይ ዓጢቑ ክነብሕ ፀኒሑ ጭርኡ ዘሪጉ
ፀልማት'ዩ መንገዱ ኣብ ዝኸደ ከይዱ።

ምክት ነይርካ ወጠጦ ኣይግበርካ