Wednesday, September 23, 2015

ውድብ ዴምህት ብሓይልታት ደህንነት ወያነ ክስሎኽ ዘይኽእል ድልዱል ናይ ስለያን ፀረ ስለያን ማሓውር ዝሃነፀ ዓብዩ ውድብ ክብል ምክትል ኣቦ ወምበር ዴምህት ተ/ይ መኮነን ተስፋይ ምስ ቴሌቪዥን መብፀዓ ለካቲትን ሬድዮ መቓልሕ ምሕዝነት ዴሞክራስያውያን ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይን ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መሕተት ገሊፁ።



ተጋዳላይ መኮነን ተስፋይ ሞላ ምስ ሓይልታት ደህንነት ወያነ ንኣስታት ሓደ ዓመት ክሰርሕ ፀኒሐ እየ ይብል ኣሎ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ ክምልስ ከሎ፣ ሞላ ከምዚ ክገብር ዓቕሚ ከም ዘይብሉን ውድብ ዴምህት ድማ ዓብዩ ውድብ ስለ ዝኾነ ፀላእን ፈታውን ዝመመሚ ድልዱል ስለያን ፀረ ስለያን ሓይሊ ዝሃነፀ ውድብ ስለ ዝኾነ ሓይልታት ደህንነት ወያነ ከምዚ ክገብሩ ዓቕሚ የብሎምን ክብል ሓቢሩ።

ተ/ይ መኮነን ተስፋይ ኣስዒቡ ሞላ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ጉባኤ ውድብ ፈሪሑ ዳኣ ሃዲሙ እምበር ስለያ ናይ ወያነ ኣይነበረን ክኸውን 'ውን ዓቕሚ የብሉን ድሕሪ ምባል። እዚ ንኣስታት ሓደ ዓመት ርክብ ፈጢረ ፀኒሐ እየ ዝብል መግለፂ ድማ ሓያል መሲሉ ንኽረአን። እቲ ስርዓት ድማ ናይ ስለያ ማሓውሩ ጠንካራ ከም ዝኾነ ኣምሲልካ ብምቕራብ ንህዝቢ ንምድንጋርን ዘይንስኻ ንምምሳልን ዝተጠቕመሉ ፕሮፖጋንዳ እዩ ክብል ገሊፁ።

ሞላ 700 ተጋደልቲ ሒዘ ኣትየ ዝበሎ 'ውን እንተኾነ በቲ ስርዓት በል ተባሂሉ ተገዲዱን። ካብኡ ሓሊፉ 'ውን ዝነበሮ ድኽመታት ንምሽፋንን ሓያል ከም ዝነበረ ኣምሲሉ ዘየለ ፅልዋ ንምፍጣር ተሓሲቡ ካብ ልሳን ወያነ ተቐቢሉ ዝደገሞ ዳኣ እምበር ሞላ ዝወሰዶ ተጋዳላይ ካብ 115 ዘይበዝሕ ከም ዝኾነ ካብዚኦም ድማ እቶም 48 ተጋደልቲ ዘደናገሮም ከም ዝኾነ ምስ ፈለጡ ናብ ውድቦም ከም ዝተመልሱ ኣፍሊጡ።

ገና ድማ ኣብ ከባቢ መሬት ሱዳን ብርክት ዝበሉ ተጋደልቲ ንሞላ ተቓዊሞም ተበታቲኖም ከም ዘለዉን ንምምላሶም ድማ ዴምህት ፃዕርታት ይካየድ ከም ዘሎን ገሊፁ።