ኣብቲ
ቦታ ዝርከቡ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ኣብ ከተማ ሑመራ ብተለምዶ ኩዳር እናተብሃለ ዝፅዋዕ ዝተፈላለየ ሸቐጣ ሸቐጥ ዝርከበሉ
ከባቢ ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ብዘቀናበርዎ ሽርሒ ካብ 13 ናብ 14 መስከረም 2008 ዓ.ም ዘዉግሕ ለይቲ ብሓዊ ተቓፂሉ ልዕሊ
50 ሚልዮን ብር ዝግመት ንብረት እንትቃፀል እቲ ከባቢ ድማ ምሉእ
ብምሉእ ከም ዝዓነወ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካድረታት
ህወሓት ኢህወዴግ ነዚ ዘይሓላፍነታዊ እከይ ተግባር ዝፍፅሙ ሰባት ከዋፍሩ ዝኸኣሉ ህዝቢ ከተማ ሑመራ ኣብ ልዕሊ ግዕዙይ ምሕደረኦም
ፅቡቕ ኣረኣእያ ስለ ዘይብሉ በዚ ድማ ተቓዉሞ ከየልዕል ስለ ዝሰግኡ ተቓወምቲ ዉድባት ኣቃፂለሞ ብዝብል ሓሶት ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ
ዝዓለመ ከም ዝኾነ እዙይ ድማ ልሙድ ተግባር ናይቲ ገዛኢ ስርዓት
እዩ ክብል እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።