Sunday, October 4, 2015

ኣብ ከተማ ሑመራ ብተለምዶ ኩዳር እናተብሃለ ዝፅዋዕ ከባቢ ብካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ተቐናቢሩ ብዝተኣጎደ ሓዊ ተቓፂሉ ልዕሊ 50 ሚልዮን ብር ዝግመት ንብረት ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ከም ዝኾነ ተገሊፁ።



ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኹልና ሓበሬታ ኣብ ከተማ ሑመራ ብተለምዶ ኩዳር እናተብሃለ ዝፅዋዕ ዝተፈላለየ ሸቐጣ ሸቐጥ ዝርከበሉ ከባቢ ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ብዘቀናበርዎ ሽርሒ ካብ 13 ናብ 14 መስከረም 2008 ዓ.ም ዘዉግሕ ለይቲ ብሓዊ ተቓፂሉ ልዕሊ 50 ሚልዮን ብር ዝግመት ንብረት  እንትቃፀል እቲ ከባቢ ድማ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝዓነወ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ነዚ ዘይሓላፍነታዊ እከይ ተግባር ዝፍፅሙ ሰባት ከዋፍሩ ዝኸኣሉ ህዝቢ ከተማ ሑመራ ኣብ ልዕሊ ግዕዙይ ምሕደረኦም ፅቡቕ ኣረኣእያ ስለ ዘይብሉ በዚ ድማ ተቓዉሞ ከየልዕል ስለ ዝሰግኡ ተቓወምቲ ዉድባት ኣቃፂለሞ ብዝብል ሓሶት ኣቓልቦ ህዝቢ ንምጥምዛዝ ዝዓለመ ከም ዝኾነ እዙይ ድማ ልሙድ ተግባር ናይቲ ገዛኢ ስርዓት  እዩ ክብል እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።