Sunday, October 4, 2015

ኣብ ዞባ ምዕራብ ከተማ ኣደባይ ዝነብሩ ንፁሃት ሰባት ብዕጡቛት ምልሻ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ይቕተሉ ምህላዎም ተገሊፁ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ኣደባይ ዝነብር ንፁህ ህዝቢ ብዕጡቛት ምልሻ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ዝተፈላለየ ግፍዕን ምግልታዕን ክበፅሖም ዝፀነሐ ኮይኑ ከም መቐፀልታ ናይ'ዚ እከይ ተግባሮም ከዓ ብ16 መስከረም 2008 ዓ.ም እንስሳ ናብ ደኒ ኣእቲኻ ብዝብል ምስሉይ ምኽንይት ንኣይተ ተኽላይ ፀሃየ ዝተብሃለ ዜጋ ብጥይት ተኲሶም ከም ዝቐተልዎ ተፈሊጡ።
 በዚ ፀረ ህዝቢ ተግባሮም ዝተቖጠዐ ነባሪ ህዝቢ ኣደባይን ከባብኣን ድማ ሕጊ ዘይብሉ መንግስቲ ብምባል ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ብሓደ ኮይኑ ሓያል ተቓዉሞ ከምዘልዓለን  ነቲ ቀታሊ ተኽላይ ዝተብሃለ ነባርነቱ እድሪስ ዝኾነ ምልሻ ድማ ብበትሪን እምንን ቀጥቂጡ ብምቕታል ሕነ ናይ ምፍዳይ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ካብ'ቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።