Thursday, January 28, 2016

ብሕብረተሰብ ወልቃይት ክለዓል ዝፀንሐ ተኸታታሊ ሕቶ ሰበ ስልጣን ክልል ትግራይ ግቡእ ምላሽ ክህብሉ ስለ ዘይከኣሉ፣ ዓበይቲ ዓዲ ወልቃይት ኣብ ከባቢ ጎንደር ሕቡእ ናይ ዘተ ኣኼባ ከም ዘየካየዱ ተገሊፁ።



ከም ሓበሬታ ምንጭታትና፣ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ምዕራብ ወረዳ ወልቃይትን ከባቢኣን ዝነበሩ ተወለድቲ ወልቃይት፣ ብህወሓት ኢህወዴግ ካብ ዝመሓደሩ ኣትሒዞም ከልዕልዎም ዝፀንሑ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ትኹረት ተውሃብዎም ብገዛኢ ስርዓት ግቡእ ምላሽ ኣብ እዋኑ ስለ ዘይረኸቡ፣ እቲ ሓደ ሕቶ ካልእ ሕቶ እናወለደ ዓቕሎም ክፅንቅቑ ስለ ዝገበሮም፣ ናይ'ቲ ሕብረተሰብ ተወከልቲ ዝኾኑ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ከባቢ ጎንደር ተኣኪቦም መሰረታዊ ፍታሕ ከምፅእ ይኽእል እዩ ዝበልዎ ዘተ ከም ዘካየዱ ተፈሊጡ።
ህዝቢ ወልቃይት ከልዕሎም ፀኒሑ ብኣመሓደርቲ ክልል ይኹን ዞባ ጉቡእ ምላሽ ካብ ዘይተውሃቦም ዛዕባታት፣ "ብመሬትና ተጠቀምቲ ክንከውን ኣይከኣልናን፤ ሰናይ ምምሕዳር ዝብሃል የለን፤ ኣጀንዳታት ገዛኢ ስርዓት ክንሰምዕ እምበር ጉዳይና ሰማዒ ኣካል የብሉን፤ ካብ ዉሽጥና ዝወፁ ዘይኮኑ ሰባት እዮም ዘመሓድሩና ዘለው ንምንታይ ባዕልና ንባዕልና ክንመሓደር ሕገ መንግስታዊ መሰልና ዘይኽበረልና" ዝብሉን ካልኦትን እኳ እንተኾኑ፣ ክሳብ ሕዚ ቆላሕ ዝህቦም መንግስዊ ኣካል ብዘይ ምህላው በዚ ተማሪሮም ነቲ ሕቡእ ናይ ዘተ ኣኼባ ከካይዱ ከም ዝመረፁ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።       



   



No comments:

Post a Comment