Friday, February 5, 2016

ኣብ ክልል ጋምቤላ ንዝተልዓለ ዕግርግር ስዒቡ ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ሓደ ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ ተቐቲሉ ከም ዝተረኸበ ተገሊፁ።



ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ክልል ጋምቤላ ንዝተልዓለ ዕግርግር ስዒቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ ኦካቺ ኣቡል ዝተብሃለ መንእሰይ ተቐቲሉ ከም ዝተረኸበ ዝገለፀ እቲ ሓብሬታ፣ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ምስ ናይ መዋቲ ስእሊ ኣተሓሒዞም ነበርቲ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፣ እቲ መንእሰይ ኣዝዩ ብርቱዕ ናይ ጥይትን ናይ በትርን ማህረምቲ ምልክታት ከም ዝረኸብሉ ገሊፆም።
ብጉጅለ ኢህወዴግ ዝግበር ጨፍጫፍን ናይ ጋንቤላ ሰበስልጣን ናይ ንዌር ብሄረሰብ ብዝኾኑ ወተሃደራት፣ ነቲ መንእሰይ ካብቲ  ቤት ማእሰርቲ ኣዉፂኦም ከም ዝቐተልዎ  ዘፍለጡ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻኽር፣ ነታ ከተማ ፌደራል ፖሊስ ተቖፃፂሮማ ዝርከቡ እኳ እንተኾኑ፣ ብፍላይ ተወለድቲ ኣኝዋክ እናተቐተሉ ስቕ ኢሎም ይዕዘቡ ከም ዘለዉ እቶም ወገናት ወሲኾም ኣረዲኦም።


No comments:

Post a Comment