Friday, February 5, 2016

ኣብ ቤት ህንፀት ቃሊቲ ኣትዮም ዝርከቡ እሱራት ብሓለፍቲ ናይቲ ቤት ህንፀት ይጋፍዑ ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ኣብ ቤት ህንፀት ቃሊቲ ኣትዮም ዝርከቡ እሱራት ብሓላፊ ናይ'ቲ ቤት ህንፀት ይንከላበቱ  ከም ዘለው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ እቲ ብዕለት 20 ጥሪ 2008 ዓ/ም ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ህንፀት ብዝተልዓለ ግጭትን ዕግርግርን ብዝተኣሳሰረ ናይቲ ቤት ህንፀት ዘመሓድር ሓላፊ ንስኻትኩም ኢኹም ነዚ ህውከት ኣለዓዒልኩምዎ ብዝብል ኣብ ልዕሊ ነቶም ኣስጋእቲ እዮም ዝበሎም እሱራት ወገናት ብዘይ ወዓልዎ ተግባር  ከም ዘጋፍዖም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘርደኦ ፣ኣብቲ  ዝተልዓለ ግጭትን ዕግርግርን እዋን ዝተኣሰሩ መብዛሕቲኦም ምስ ናይ ደሴ ተኸሰስቲ ብዝተተሓሓዘ ንምስክርነት ተፀዊዖም ኣብ ችሎት እናሃሎው እናፈለጠ ዝተፈጠረ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ኮነይ ኢሉ ንምጥቃዕ በቲ ሓላፊ ናይቲ ቤት ህንፀት ኣብ ልዕሊ እቶም እሱራት ጎነፃዊ ሓይሊ ብምጥቃም ከም ዘጋፈዖም ተፈሊጡ።
ኣብ መወዳእታ፣ እቶም ኣብ ቤት ህንፀት ተኣሲሮም ዝርከቡ ወገናት ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝተፈላለዩ ምንክልባት ክበፅሖም ዝመፀ ኮይኑ፣ ምስ ቤተሰቦም ከይራኸቡ ብምእጋድ ኣብ ብርሃን ዘይኣትዎ ፀልማት ገዛ ብምእሳር ሞራሎም ንምስባር ኩሉ ዓይነት ናይ ግፍዓዊ ኣተሓሕዛ ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ዜጋታትና ብዝባኣሰ መልክዑ ይሰርሕሉ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።    



No comments:

Post a Comment