Friday, February 5, 2016

ብሽግር መነባብሮን ፖለቲካን ሃገሮም ገዲፎም ብታንዛንያ ኣቋሪፆም ዝስደዱ ኢትዮጵያውያን ወገናት ዝተፈላለዩ ደብዳብን ምክልባትን ይበፅሖም ምህላዉ ገሊፁ።



  ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ናብ ምብራቕ ኣፍሪካዊት ሃገር ታንዛንያ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ናብ ግዝኣታ ብምእታው ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ንምስግጋር ክፍትኑ ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ ክርከቦም ብዘይምኽኣሉ፣  ናብ ዓዶም ብሓይሊ ከም ዝምልስዎም ሚኒስተር ዉሽጢ ሃገር ታንዛንያ ቻርልስ ኪታዋንጋን ብ17 ጥሪ 2008 ዓ.ም ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።
 እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ካብ ዘሎ መጠነ ሰፊሕ ጥሜት ካብ ዓዶም እናለቐቑ ንዝሕሸ ናብራ ክብሉ ንደለልቲ ካብ ሓደ ሽሕ ክሳብ ክልተ ሽሕ ዶላር ብምኽፋል፣ ብታንዛንያን ብማላዊን ኣቢሎም ናብ ደቡብ ኣፍሪካን ኣውሮፓን ንምኻድ ሓሲቦም ኣብ ዝጓዓዝሉ ኣብ ዉሽጢ ናይታ ሃገር ሓይሊ ፀጥታ ዝወድቑ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ብእስራትን ብገንዘብን ብምቕፃዕ ናብ ሃገሮም እናንከላበተት ትሰጎም ምህላዋ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።


No comments:

Post a Comment