Saturday, June 16, 2018

ኣብ ዩኒቨርስቲ ባህርዳር ናይ ሆሊስቲክ ፈተና ኣይንፍተን ዝበሉ ናይ ምህንድስና ተምሃሮ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም።



  እቶም ተምሃሮ ተቓውሞ ዘስምዕሉ ን2011 ዓ/ም ናይ ሆሊስቲክ ፈተና ተፈተንቲ ዝወፀ ምልክታ ንምቅዋም እዩ።
  ናይቲ ቴክኖሎጂ ትካል ኣብ ዘውፅኦ ምልክታ ዝኾነ ተምሃራይ ቅድሚ ናይ ሆሊስቲክ ፈተና ኩሎም ዓይነታት ትምህርቲ ከይተወድኡ ነቲ ፈተና ከምዘይወስዱን ከምኡ 'ውን መሕለፊ ውፅኢት 50 ልዕሊኡን ዘምፀአ ተምሃራይ ናብ ኢንተርንሽፕ ምውፃእ ወይ ድማ ትምህርቱ ክከታተል ከም ዝኽእል የመላኽት።
  እቶም ተምሃሮ ፈተና ሆሊስቲክ መመዘኒ ዘይኮነስ ንተምሃሮ ንምቕናስ እዩ ኢሎሞ። ኣብ መዎዳእታ ኣብ ዝተበላሸወ ምግቢ፤ኣብ ዝጋዕዘየ ኣሰራርሓ፤ኣብ ዝተበላሸወ መሳርሒ፤ቅንዕና ብዘይብሎም መምህራን ተማሂርና ኣይንባረርን ክብሉ ገሊፆም።

No comments:

Post a Comment