Tuesday, October 28, 2014

ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ሃገርና ዝነበሩ ተወለድቲ ትግራይ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ናብ ክልልኩም ተመለሱ ኢሉ ካብ ስርሖም ኣፈናቒሉ ስራሕ ዕድል ስለ ዝኸልኦም ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ቅልውላው ምዉዳቖም ተሓቢሩ፣


ብሕፅረት ሃለኽቲ ነገራት ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ኣብ ዝመፅእ መረፃ ንካልኦት ውድባት ንከይመርፅ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ልዑል ዓቐን ዘለዎ ሽኮር ከም ዘቕርብ መደናገሪ ፕሮፖጋንዳ ኣብ ምንዛሕ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ፣



ብዝተፋላለዩ ምኽንያት ጥሮታ ወፂኦም ብማሕበር ተወዲቦም ኣብ ከተማ ተምቤን ክሰርሑ ዝፀንሑ ነባራት ተጋደልቲ ተቓወምቲ ኢኹም ብዝብል ካብ ስርሖም ከም ዝተባረሩ ተፈሊጡ፣



ፖሊስ ከተማ ሸራሮ ዝፈፀምዎ ገበን ንዘይብሎም ልዕሊ 28 ወገናት ኣሲሩ የሳቕዮም ምህላዎም ተፈሊጡ፣



ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ኣስገደ ፅምብላ ዝርከቡ ሽሞኛታት ህወሓት-ኢህወዴግ ንመሰረተ ልምዓት ተባሂሉ ዝተሰልዐ ገንዘብ ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኦም የውዕልዎ ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ከበቢ ሓቢሮም፣