Pages

Tuesday, February 19, 2013

ኣብ ጎንደር ቤተክርስትያን መድሃኒኣለም ተዓቒቦም ዝነበሩ 48 ባሕታውያን ብግፍዓዊ ድብደባን ምፍርራሕን ናብ ዝመፅሉ ዋልድባ ከም ዝተወሰዱ ተፈሊጡ፣



እዞም ባሕታውያን ካብ 2 ጥሪ 2005 ዓ/ም ጀሚሮም ኣብ ከተማ ጎንደር ኣብ ዝርከብ መድሃኒአለም ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ጥቡቕ ቁፅፅር እናተገበረሎም ዝፀንሑ እንትኾን። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ግን እዞም ባሕታውያን ብአውቶቡስ ተፃዒኖም ክዉሰዱ ዝኸኣሉ። ካብ ዝተፈላለየ ክልል አምሓራ  ዝተወፃፅኡ ናይ ሃይማኖት አቦታት ነቲ ሽግር ብሽምግልና ክንፈትሖ ኢና ዝብል ሓሳብ ድሕሪ ምቕራቦም። እዞም ባሕታውያን ምስ ህዝቢ ከይራኸቡ ለይቲ ምስ ቀትሪ ክሕለው ድሕሪ ምፅናሕ። 31 ባሕታውያን  15 ጥሪ 2005 ዓ/ም ናብ ምምሕዳር ዞባ ሰሜን  ጎንደርን ናብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያን ኣብ ዝፃሓፍዎ። ኣብ ልዕልኦም በፂሑና ዝበልዎ በደል ብዝርዝር ድሕሪ ምቕራቦም። ናብ መኪና ክፃዓኑ ከም ዝተዓዘበ ሓደ ነባሪ ከተማ ጎንደር ንማዕኸናት ዜና ገሊፁ፣
እቶም መነኮሳት ካብ ዝጠቐስዎም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዉሽጢ። ተወለድቲ እቲ ቦታ ስለ ዘይኮንኩም ኣብቲ ገዳም ክትነብሩ ኣይትኽእሉን ተባሂሎም ከም ዝተባረሩ። ናይ’ቲ ወረዳ ኣማሓዳሪ ዝኾነ አቶ ሲሳይ መረሳ ነዞም ማሕበረ-መነኮሳት ብዘርኢ ብምክፍፋል ብፖሊሳትን ዕጡቓት ሚልሻታትን ተጠቒሙ እናኣሰረ ብተደጋጋሚ ከም ዝቐጥቀጦም ገሊፆም፣
 2 ጥሪ 2005 ዓ/ም አባ /ገብርኤል /ስላሴን አባ /ህይወት /ማርያምን ዝተባሃሉ መናንያን ካብ’ቲ ገዳም ተወሲዶም ሽፋቱ መነኩሴታት ተባሂሎም 4 ማዓልትታት ከም ዝተኣሰሩን። ምምሕዳር እቲ ወረዳ’ውን ንስኻትኩም ተመሊስኩም ናብ’ቲ ገዳም ክትኣትው ኣይትኽእሉን፤ ዝወፁ’ውን ኣይምለሱን፤ ኣብ’ቲ ገዳም ዝተረፍ እንተሎ’ውን እናኣረና ክነውፀኦም ኢና። ክንኣቱ ኢና እንተኢልኩም ቀታሊኹም ከይተፍለጠ ክትሞቱ ኢኹም ከም ዝተባሃሉ ተፈሊጡ፣