Tuesday, February 19, 2013

በብከባብኡ ዝርከቡ ነጋዶ ሃገርና ኣብ ልዕሊ ስርዓት ወያነ ዘለዎም ተቓውሞ እናገለፁ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ፣



ምህርቶም ናብ ወፃኢ ሃገራት ዝልእኹን ዘእትዉን ነጋዶ። መንግስቲ  ብሽም ግድብ አባይ ዝግበር መዋጮን ዕድጊት ቦንድን ኮነ ካልኦት ዕዳታት መንግስቲ   ንዘይምኽፋል ክቃወሙ ዝኸኣሉ ምስ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ተታሓሒዙ። ስራሕቶም ተዳኺሙ ኣብ ፀገም ብምዉዳቖም ምዃኑ ተፈሊጡ፣
   እቶም ዝተፈላለዩ ንግዲ ትካላት ኤልሲ ከፊቶም ኣቑሑ ንምእታው ኣብ ዘይኽእልሉ ደረጃ ብምውራዶም። ትካላቶም ዓፅዮም  ሰራሕተኛታቶም ንምስንባት ኣብ ጫፍ ብምብፅሖም እዞም ነጋዶ መፍትሒ ንምርካብ ክቃወሙ ከም ዝተገደዱ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣
  መንግስቲ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ የለን እንተበለ’ውን። ነጋዶ ብወገኖም ብሕፃር ሸርፊ ወፃኢ ካብ ዝሓለፉ 7 ኣዋርሕ ጀሚሩ ኤልሲ ንምኽፋት ከም ዘይካኣሉ ምስ ገለፁ።  መንግስቲ ዋላ’ኳ ብመራኸቢ ማዕኸናቱ። እቲ ሽግር ዝፈጠሮ ካብ ሕጊ ወፃኢ ዝኾነ ልውውጥ ገንዘብ  ዝገብሩ ትካላት እዮም ብምባል ክገልፁ እንተፈተኑ። መንግስቲ ነዚ ንምፍታሕ ክሳብ ሕዚ ስጉምቲ ኣይወሰደን፣
እቲ ኣብ መላእ ሃገርና ዘጋጠመ ዝላዓለ ሕፅረት ዶላር ናብ ወፃኢ ዝላኣኽ ዉሽጣዊ ምህርቲ ሕርሻ ብዝላዓለ ደረጃ ብምንቁልቋሉ ዝተፈጠረ ምዃኑ። ኣብ’ዚ ቀረባ ብሚኒስተር ሕርሻ ዝቐረበ ሪፖርት ከም ዘረጋግፀ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣