Pages

Saturday, May 18, 2013

ኣብ ዩንቨርስቲ ኣርባምንጭ ዝርከቡ ተማሃሮ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኣድማ ብምብጋሶም ልዕሊ 100 ተማሃሮ ተታሒዞም ከም ዝተኣሰሩ ተገሊፁ፣፣



ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ በቶም ተማሃሮ ዝተወሰደ ትምህርቲ ናይ ምቁራፅ ኣድማ ስለ ዝቐፀለ፣  ፌዴራል ፖሊስ  ነቲ አድማ መሪሖም ይኾኑ እዮም ብዝብል ጥርጣረ፣ ልዕሊ 100 ተማሃሮ ወሲዶም ኣብ ዞባ ጋሞጎፋ ኣብ ዝርከብ ፖሊስ ጣብያ ከም ዝዳጎንዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
   ኣብቲ ዘካየድዎ ኣድማ ዝተፈላለዩ ትምህርታዉን ምምሕዳራውን በደላት ዘልዓሉ እቶም ተማሃሮ፣  በዚ ዝተላዓለ ኣድማ ዝስገአ መንግስቲ እቲ ቀፅሪ ዩንቨርሲቲ ብፖሊስ ክኽበብ ጌርዎ ከም ዝርከብን፣  ዝተኣሰሩ ኣዕርኽቶም ንምሕታት ናብ’ቲ ፖሊስ ጣቢያታት ዘምርሑ ብርክት ዝበሉ ተማሃሮውን መማህርቶም ከይሓቱ ብፖሊስ ከም ዝተባረሩ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፣፣
  እቲ ካብ ዕለት 5 ጉንበት 2005 ዓ/ም ሰዓት ኣርባዕተ ምሸት ኣትሒዞም ኣብ ዘካይድዎ ኣድማ ዘልዕልዎ ሕቶ። “ምፍልላይ ብሄር ምስ ብሄር ጠጠው ይበል፤ ዝተበከለ መግቢ ኣይንምገብን፤ ፅሬት ትምህርቲ ይረጋገፅ፤ ምምሕዳራዊ ሽግራት ይፈትሑ፤ መሰልና ይከበረልና፤ ድምፅና ይሰማዕ፤ ሕቶና ብኣግባቡ ይመለስ፤ ዩቨርሲቲ ተማሂርካ ናብ ኮብልስቶን ሓላፍነታዊ ኣይኮነንወዘተን ዝብሉ ጭርሖታት ከም ዘስሞዑ ተፈሊጡ ፣፣
  ፀገማት ምሕድራ እቲ ዩንቨርስቲ ኣውፂኦም ዝገለፁ እዞም ተማሃሮ። ብማእለያ ዘይብሎም ወተሃደራትን ፌዴራል ፖሊስን ተኸቢቦም ነንባዕሎም ከይራኸቡ ይገብርዎም ከም ዘለው ሓደ ሽሙ ክግለፅ ዘይደለየ ተማሃራይ እቲ ዩንቨርስቲ ንምድያታት ገሊፁ፣፣
   እቶም ተማሃሮ ናይ ምግቢ ምብልሻውን ምብካልን ምኽንያት ጌሮም ነቲ ኣድማ እንተበግስዎ’ውን፣ ካልኦት ምስ ፅሬት ትምህርትን ምምሕዳራዊ ስርዓትን ዝተታሓሓዙ ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ከም ዘልዓሉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ሕዚ እዉን እቶም ተማሃሮ ኣብ ደገ ኣድማ ከይገብሩ ዋላ ተከልኪሎም እንተሃለዉ፣ ኣበየ ክፍልታቶም ኮይኖም ብመሳኹቲ ኣስሊኾም ሕቶታቶም ክሳብ ዘይተመለሰ ትምህርቲ ከም ዘይጅምሩ ብምረት ይገልፁ ከም ዘለዉ የረድእ፣፣