Saturday, May 18, 2013

ፕሬዚዳንት ክልል ሶማል ኣብዲ ሙሃመድ ዑመር ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዉድባዊ ክፍሊት ኣባልነት ብሓይሊ ከም ዝቑረፆም ተዛሪቡ፣፣



ናብ ምድያታት ዝተቓለዐ ምሽጥራዊ ዘረባ እቲ ፕሬዚዳንት ዝሓዘ ፊልም ውሽጢ ከም ዝብሎ፣ አቶ አብዲ አጋር ውድብ ኢህወዴግ ዝኾነ ናይ ሶማሌ ህዝቢ ዴሞክራስያዊ ፓርቲ ( ሶህዴፓ) ኣባላተይ ካብ ንዝበሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ብግዴታ መዋጮ ናይ አባልነት ክከፍሉ ከም ዝገበረ ድሕሪ ምግላፁ፣ መንግስቲ ብሓደ ወገን መሃያ ኢሉ ገንዘብ ይህብ፤ ብኻሊእ ወገን ድማ እታ ከፋሊት ገንዘብ ብግዴታ ካብ ሰራሕኛታት ወርሓዊ መሃያ እናቖረፀት ገንዘብ ትወስድ ኢሉ አቶ አብዲ፣
  ኣስዒቦም አቶ አብዲውድቦም ሶህዴፓ 40ሽሕ አባላት ከም ዘለውዎ ተገይሩ ዝቐርብ ሪፖርት’ውን ሓሶት እዩ ምስ በሉ፣ 40ሽሕ ኣባላት እንተዝነብሩና ኔሮም ፀረ ሰላም ሓይልታት ስለ ምንታይ ይህልው?” ብምባል ዝሓተቱ አቶ አብዲ። እቶም ኣለው ዝባሃሉ ኣባላት ኣንተኾኑ’ውን ገንዘቦም መንግስቲ ብዝመደቦም ብሓይሊ ዝውሰዶም እምበር ብሙሉእ  ልቢ ኣባላት ኢሎም መዋጮ ዝኸፍሉ አይኮኑን ክብል ኣረዲኡ፣፣
   ንሱ ናይ’ቲ ውድብ ኣባል ዝብሎ ባዕሉ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፍቓድ ኣባል እየ ብምባል መዋጮ ዝኸፍል እምበር መንግስቲ አገዲዱ ዝቖርፀሉ ኣባል ክብሎ ከም ዘይኽእል ግልፂ ጌሩ፣፣
 ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና እቲ ፕረዚዳንት ዝበሎ ክልልና ክልል ሶማል ዓብያ፤ ኣብ ፅቡቕ ደረጃ ከም ዝበፅሐ ተገይሩ በቢእዋኑ ዝቐርብ  ሪፖርት ፍፁም ትኽክል ዘይኮነ ሓሶት እዩ።  ቅድሚ ሕዚ ዝቐርቡ ዝነበሩ ሪፖርትታት’ውን  ገምጋም ንምሕላፍ ተባሂሉ ኣብ ሓሶት ተመስሪቱ ዝዳሎ ዝነበረ ምዃኑ” ብልሳኑ ከም ዝተዛረበ ገሊፅና ምንባርና ይፍለጥ፣፣
  ኣብ መወዳእታ እቲ ፕሬዚዳንትተጋሩ ሰበ ስልጣን አምሓሩ መሊሶም ስልጣን ከይሕዙ ካብ ዝብል ነፃሊ ኣካይድኦም። ኦጋዴናውያን ኣዕጢቖም ብሓባር ነዛ ሃገር ክንመርሕ ይደልዩ ኔሮም። ንሕና ግና ኣይተቐበልናዮምን  ከም ኣምሓሩ ቆፂርናዮም ኣብ ልዕልኦም ድማ ተኹሲ ከፊትናሎም ኢሉ፣፣
    አምሓራይን ትግራዋይን፤ አምሓራይን ኦሮሞን ብፍፁም ኣይታዓረቑን፤ አይተሓባበሩን። ስለዚ ህዝቢ ኦጋዴን ኣብ ጎኒ ተጋሩ ጠጠው ክብል፤ አምሓራን ትግራይን፤ አምሓራን ኦሮሞን ከም ሓደ ጌሩ ንኹሉ ኣምሓራይ እናበለ ምፅውዑ ጠጠው ይበልብምባል ምዝራቡ ኣብ’ቲ ምሽጥራዊ ቪዲዮ ውሽጢ ምጥቃሱ ይፍለጥ፣፣