Pages

Tuesday, May 21, 2013

ኣብ ክልል ትግራይ ወረዳ ዓድዋ ዝርከቡ ፋብሪካታት ብሰንኪ ዝለቅዎ ረሳሕ ጓሓፍ ኣብ ልዕሊ ነበርትን ሰራሕተኛታትን ጉድኣት እናውረደ ምዃኑ ተገሊፁ።



ኣብ ከባቢ አልመዳ ዓድዋ ዝርከቡ ፋብሪካታት ማለት (አልመዳ ጨርቃ ጨርቅ፤ አልመዳ ስፌት ክዳንን ሳባ እምነበረድን) ኮይኖም። ኣብ’ቲ ቦታ ተሰሪሑ ዝተባሃለ ሽማዊ መጠራቐሚ ኬሚካል ፈሳሲ ጓሓፍ፣ ብጥንቃቐ ዝተሰርሐ ብዘይምዃኑ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝርከብ ገንኢ ፈንዲኡ ናብ ላዕሊ ተተኲሱ ከባቢያዊ ብኽለት ከም ዘስዓበ ካብ ነበርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
   እቲ መጣራቐሚ ዝተበከለ ረሳሕ ኬሚካል መፃረይን ብምፍንድኡ ሓደገኛን መርዘኛን ሽታ ብምፍጣሩ፣ ኣብ ከባብኡ ንዝርከብ ክሳብ ዓሰርተ ኪሎ ሜትር ራዲያስ ዝበፅሕ ናይ ማይን አየርን ብኽለት ብምኽታሉ። ከም ሰዓቤኑ ኣብ ልዕሊ ሰባትን እንስሳትን ምልክታት ሕማም እናተራኣየ ምዃኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
   እቲ ዝኸፈአ ድማ ካብ 500-600 ዝበፅሑ ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካ ነቲ ሽግር ተፃዊሮም ክሰርሑ ስለ ዝተገደዱ፤ ጥዕናዊ ፀገም ከየስዕበሎም ብምስጋእ ንመንግስቲ ክልል ትግራይን ንሓለፍቲ ትእምትን ጥርዓን ዘቕረቡ እንትኾን፤ ክሳብ ሕዚ ግን ኣወንታዊ መልሲ ብዘይምርካቦም ብምረት ገሊፆም።