Pages

Tuesday, May 21, 2013

ኣብ ክልል ኦሮሞ ዞባ ኣጋርፋ ወረዳ ኣናለማ ብማሕበር ዝተወደቡ ጡረተኛታት ኣልሚዖም ክጥቀሙሉ ዝፀንሑ መሬት ተመንጢሎም ክፋናቐሉ ከም ዝተገብረ ተገሊፁ።



እቶም ጡረተኛታት ካብ 1991 ዓ/ም ጀሚሮም “ማሕበር ጡረተኛታት ጎባናን ከባቢኡን” ብዝብል ስያሜ ምስ ተወደቡ ን25 ዓመታት ሰርሖም ክጥቀምሉ ብሕጋዊ መንገዲ ተወዓዕሎም ዝተረከብዎ 200 ሄክታር መሬት ክሳብ ሎሚ እናልምዑ መነባብሮኦም ክመርሑ ዝፀንሑ እንትኾን፣  ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሃንደበት መንግስቲ ብዘይ ዝኾነ ካሕሳን ምርድዳእን ብሓይሊ መልጢ መንጢሉ ከም ዝወሰዶ ካብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
  እቲ ማሕበር 264 ኣባል ጡረተኛታት ዝሓቖፈ ኮይኑ፤ ኣብ ትሕቲኦም ድማ ንልዕሊ 1 ሽሕን 500ን ሰባት ዝናበዩ ከም ዘለውዎም ዝገለፁ እቶም ኣባላት ጥሮተኛታት፣ ድሕሪ እቲ መሬት ምምንጣሎም ግና ንኸቢድ ማሕበራዊ ፀገማት ተሳጢሖም ከም ዘለዉ ገሊፆም።
   ኣባላት እቲ ማሕበር ኣለሳሊሶም ሓሪሶም ንዘርኢ ዘዳለዉዎ መሬት ኣመሓደርቲ ኣሕዲጎም ጉቦ ንዝሃብዎም ሰብ ሃፍቲ ምዕዳሎም። ፍታሕ ንኽግበረሎም ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ዘቕረብዎ ጥርዓን ሰማዒ ክረኽብሉ ከም ዘይከኣሉ ኣብ መወዳእታ ኣገንዚቦም።