Thursday, April 3, 2014

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ዛግር ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ንህዝቢ ተባሂሉ ዝመፀ እኽሊ ኣብ ውልቃዊ ረብሓኦም ከም ዘዉዓልዎ ካብቲ ከባቢ ዝመፀ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



በመሰረት’ቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ  ነበርቲ ጣብያ ዛግር ዕለታዊ ፀገሞም ክፈትሑ ክብሉ ብመልክዕ  ሴፍት ኔት ናይ ዝሰርሕዎ ክዋሃቦም ዝመፀ እኽሊ ኣብ ኢድ ህዝቢ እንተይበፀሐ ኣማሐደርቲ ናቲ ጣብያ  ሸይጦም ኣብ ውልቃዊ ረብሓታቶም ከም ዘውዓልዎ ድሕሪ ምግላፅ፣ ነቲ ምጥፍፋእ ስርናይ ቀንዲ ድማ ኣቦ መንበር ናይታ ጣብያ ኣብርሃ ገረዝጊሄር ምዃኑ ተፈሊጡ።

   እቲ ኣቦ መንበር ጣብያ ዛግር ነቲ ህዝቢ  ደኺሙ  ዝስርሓሉ  እኽሊ ብእዋኑ ንህዝቢ ኣብ ክንዲ ምክፍፋል፣ ሎሚ ክሓድር እዩ ንጎሆ መፂኹም ውሰዱ ብምባል ነቲ ህዝቢ ብምብታን ብ11 መጋቢት 2006 ዓ/ም  ለይቲ 90 ኲንታል ስርናይ  ንወልቀ ነጋዶ  ብምሻጥ  ኣብ  ወልቃዊ  ረብሐኦም ከም ዘዉዐልዎ እቲ ዝተረኽረበ ሐበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

   ህዝቢ ጣብያ ዛግር ንዘለዎ ሕፅረት ኣምቡላንስ መንግስቲ ክፈትሐሎም ብዘይምኽኣሉ ነዚ ንምቅላል ክብል ኣብ ዓመት ሓደ ስድራ 10 ቅርሺ ከዋፅእ ብድረጃ ወረዳ መምርሒ ወሪዱ እናሃለወ  ኣቦ መንበር ናይ’ታ ጣብያ ግን 20 ቅርሺ ንሓደ ስድራ እናኽፈለ እቲ ዝተረፈ ስለ ዘጠፋፈኦ  ከም ዝጠፋፍኦ ህዝቢ ገንዘብና ይመለስ ኢሉ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓን ኣቕሪቡ ስማዒ ክረክብ ኣይከኣለን።