Wednesday, September 2, 2015

ኣብ ክልል ሶማል ከተማ ጂግጂጋ ኣብ መንጎ ናይቲ ክልል ተወለድትን ሓበሻ እናበሉ ምስ ዝፅውዕዎም ናይ ካልኦት ክልላት ተወለድትን ዝኾኑ ዜጋታት ብዝተፈጥረ ዘይምስምማዕ መዓልታዊ ህይወት ሰብ ይጠፍእ ምህላዉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ገሊፆም።






ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ኣብ ከተማ ጅግጅጋ  ሓበሻ ብዝብል መፀውዒ ሽም ዝፍለጡ ናይ ካልኦት ክልላት ተወለድትን ኣብ መንጎ ተወለዲ ክልል ሶማልን  መንግስቲ ገዛኢ መደብ  ኢህወደግ ብዝፈጠሮ ግጭት ምኽንያት ህይወት ንፁሃን ዜጋታት ይጠፍእ ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ ኣብታ ከተማ ኣብ ኩለን ቀበሌታት ዝነብሩ  ተወለድቲ  ካልኣት  ክልላት ከም ካልኣይ ዜጋ ብምቑፃር የሳቕይዎም ምህላዎምን ብፍላይ ድማ ኣብ ቀበሌታት 04፤05ን ፤06ን  ዝያዳ ከም ዝኸፈእ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ እከይ ተግባር  ዝኾነ ፍፃመ ንኽጋደድ ዝለዓለ ግደ  ዝፃወቱ ዘለዉ ናይቲ መንግስቲ ተለኣኣኸቲ ኣብ ናይ ፍተሻ  ኬላታት ዝተዋፈሩ፤ ኣብታ ከተማ ዝተመደቡ ኣባላት ፖሊስ ትራፊክን  ተራ ፖሊስን ምዃኖም  ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ ካብ ከተማ  ኣዲስ  ኣበባ  ናብ ጅግጅጋ ዝጓዓዙ  ተወለድቲ ካልኦት ክልላት ብግልፂ ገንዘቦምን ንብረቶምን ከም ዝምንዝዕዎምን ምንጭታትና ወሲኾም ኣረዲኦም።