ኣብ
ምዕራብ እዚ ዝርከቡ ተወለድቲ ኦሮሞ ዝኾኑ ወተሃደራት፣ ብ18 ለካቲት 2008 ዓ.ም ካብ ሓለቓ ሓምሳ ንላዕሊ ኣብ ዝተገብረ ኣኼባ
በቢሬጅሜንቱ ዝርከቡ ተወለድቲ ናይ'ቲ ክልል፣ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዝወስዶ ዘሎ ናይ ምቕታልን ምእሳርን ስጉምቲ ብምቅዋም
ውትህድርና ኣይንቕፅልን ብምባል ሓደ ሓለቓ ዓሰርተ ከዲር ዝተብሃለ ተወላዲ ባሌ ዝኾነ ባዕሉ ዓርሰ ቅትለት ዝገበረ እንትኾን፣ ካልኦት
ተወለድቲ ኦሮሞ ዝኾኑ ወተሃደራት እቲ ኣኼባ ምስተወደአ ካብ ሬጅሜንቶም ምስተወሰዱ ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከም ዘለዉ ከም ዘይፍለጥ ዝበፀሓና
ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
ኣብቲ
እዚ ዝርከቡ ወተሃደራት ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ኣብ ፅኩር ኣኼባ ተፀሚዶም ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ብገዛኢ ስርዓት ኣብ ልዕሊ
ንፁህ ህዝቢ ዝውሰድ ዘሎ ናይ ምቕታል ስጉምቲ ትኽክል ኣይኮነን ኢሎም ዝተቓወሙ ወተሃደራት፣ ኢዶም ኣብቲ ዓመፅ ህዝቢ ኣለዎ ብዝብል
ምኽንያት ዓርሰ ነቐፌታ ግበሩ እናተብሃሉ ይግደዱ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።
No comments:
Post a Comment