Wednesday, December 11, 2013

ኣብ ወረዳ ወልቃይት ንዝህነፅ ዘሎ ፋብሪካ ሽኮር ክዉዕል ተባሂሉ ዝወፀ ነዳዲ ሓለፍቲ እቲ ፕሮጀክት ሽይጦም ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም የዉዕልዎ ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብቲ ከበቢ ሓቢሮም፣




ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ከባቢ ወልቃይት ኣብ ምህናፅ ዝርከብ ፋብሪካ ሽኮር  ንዝንቀሳቐሳ ማሺነሪታት ክዉዕል ዝተላኣኸ ነዳዲ ፅዒና ትጓዓዝ ዝነበረት ቁፅሪ ታርጋ 361762-ET ዝኾነት ዓባይ ቦጥ ብ29 ሕዳር 2006 ዓ/ም ሰዓት 5።00 ኣብ ሽረ ምስ በፀሐት። ፅዒናቶ ዝነበረት ነዳዲ ሓለፍቲ እቲ ፕሮጀክት ሸይጦም ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኦም ከም ዘዉዓልዎ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣

እቲ ምስ ገለ ነጋዶ ብጥቕሚ ተመሓዚዩ ብሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ዝተዓደገ ነዳዲ ኣብ ዝተዓለመሉ ስራሕ ከይበፀሐ ኣየር ብኣየር ሸይጡ ኣብ ዉልቃዊ ረብሕኡ ዘዉዓለ ሽሞኛ በዓል ስልጣን እቲ ስርዓት ኣማናይ እንባየ ዝተበሃለ ሰብ ንሱ ቅድም ኢሉ’ዉን ነቲ ዝህነፅ ዘሎ ፋብሪካ ተባሂሉ ዝተሰለዐ ባጀትን ንብረትን ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ኣብ ዉልቀ ረብሕኡ ከዉዕል ከም ዝፀነሐ ይፍለጥ፣

እዚ ከምዚ እንከሎ ብሃብቲ ሃገርን ህዝብን ዝፃወት ዝነበረን ዘሎን ውልቀሰብ  ምስ ሰበስልጣንን ህዝባዊ ሓላፍነት ብዘይብሎም ሰብ ሞያ እቲ ስራሕ በቲ ዝፈፀሞ ገበን ኣብ ክንዲ ክቕፃዕ ምግባር ካብ ስራሕ ዝተኣገደ ኣምሲልካ ውሽጣ ውሽጢ ደመወዙ እናኸፈልዎ ድሕሪ ምፅናሕ ዝገደደ  ኣብ’ቲ ከባቢ ናብ እትርከብ ቆራሪት ዝተበሃለት ሓዳሽ ከተማ ኣመሓዳሪ ክኸዉን ተሸይሙ ምስተላኣኸ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ከዓ ንሕና ብህዝቢ ዝተዋህቦ ሓደራ ፈሊጡ ብኣግባቡ ዘገልግል’ምበር ፍትሒ ረጊፁ ረሃፅ ህዝቢ ዝሰርቕ ኣየመሓድርናን ክብሉ ብሓደ ድምፂ ከም ዝነፅግዎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፣